Print this page

ብቑዕ መተካእታ ንምዃን

2019-05-21 07:54:32 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2036 times
Rate this item
(1 Vote)

ሎሚ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኰነታት ሃገርና ከነዕልል እንከለና፡ ጸሓይ ህግደፍ ትዓርብ ከምዘላ፡ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ቅድሚ’ቶም ካብ ቀደሞም ብዛዕባ ኣዕናዊ መጻኢ ዕድል ህግደፍ ዝርድኡ ዝነበሩ ወገናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ንኢሳይያስን ጉጀለኡን ብመለኮታዊ ዓይኒ ርእዮም ዕዉር ግምት  ዝነበሮም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ኤርትራዊ ወገናት እውን ንሰንከልከል ህግዲፍ ክቕበልዎ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ በዚጺሖም ኣለዉ። እቶም ቁንጣሮ ደገፍቲ ህግዲፍ ዝመስሉ ዝነበሩ እውን ኣፍ ኣውጺኦም ስለ ዘይተዛረቡ እንተዘይኮኑ  ብውሽጦምስ ኣብ ቀጻልነት ህግደፍ ከም ዝቐበጹ ዘማትእ ኣይኮነን።

እዚ ህግዲፍ ዝርከበሉ ዘሎ ናይ ስግኣት ኩነታት ብሰማይ ዝነጠበ ወይ እቲ ጉጅለ ፈትዩ ዝፈጠረሮ ዘይኮነ፡ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘይሕለል ቃልሲ ውጽኢት እዩ። ምናልባት ኣብቲ ቃልሲ ቀጥታዊ እጃም ዘይነበሮም ኣካላት ብኽንድኡ ደረጃ ኣይርድእዎን ይኹኑ እምበር፡ እቲ ንህግዲፍ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ናይ ውድቀት ጸድፊ ኣብጺሕዎ ዘሎ ቃልሲ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ከቢድ ዋጋ ዘኽፈለን ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እቲ ክሳብ ሕጂ ህግዲፍ ናይ ካለኦት መሰል ዓፊኑ ነብሱ ንክከላኸል ዘዕነዎ ኤርትራዊ ንብረትን ናይ  ሞራል ማህሰይትን ከምኡ እውን እቲ ካብ ምንቅስቓስ መንካዕ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት በሊዕዎ ዘሎ ህይወት ንጹሃት ናይቲ ኣንጻር ህግዲፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ ኣካል እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ እንዳ ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ ገማዕማዕን ምክሕሓድን እውን እቲ ብህዝዝቢ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ዘነቓነቖ ማዕበል እምበር ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተኸየደ ቃልሲ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ምዃኑ ክንገልጽ እንከለና፡ እቲ ኣብ ዑናታት እቲ  ክጭቁነሉ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ባይታ ብቑዕ መተካእታ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ቃልሲ ዝያዳ ዝኸበደ ምዃኑ ብምዝንጋዕ ከምዘይኮነ ክሰሓት ኣይግበኦን። እዚ ምስቲ “ምፍራስ እምበር፡ መሊስካ ምህናጽስ ከቢድ እዩ” ዝበል ኣበሃህላ ፈለጣት ክንመዝኖ ንኽእል። ስለዚ በቲ ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ቃልስን ህግደፍ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምንቁልቋል ደረጃን ከተነየትና ንዝለዓለ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከም ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ይግበኣና።

በመንጽርዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ለውጢ ትኸል-ንቐል ወሳኒ ቃልሲ፡ “ብቑዕ መተካእታ ንምዃን” ዝብል ኣምር ትርጉም ብዝተፈላለየ መልክዕ ክቐርብ ዝኽእል እዩ። ብሓፈሻ ክንወስዶ እንከለና ከኣ “ንህዝብና ነቲ ብህግደፍ ተነፊግዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ መሰረታዊ ጸጋታት ከም ዝረክብ ምብቃዑ ወይ ምኽኣሉ” ኢልና ክንወስዶ እንኽእል እዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ምምሕዳር ህግዲፍ ልዕሊ ሕጊ እዩ። እዚ ብኣንጻሩ ክቕየር ይግበኦ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ወልቀ መራሒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላት እዩ። እዚ እውን ክግልበጥ ይግበኦ። ኮታ ኩሉ እቲ ጉጅለ ምልኩ ኣብ ምትራርን ዕመድ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕን ምእንቲ ክሕግዞ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣገባባት ሸፋጢ ኣገባብ ተቐይሩ ናይ ህዝቢ ልዕልናን ትካላዊ ምምሕዳርን ከውሕስ ናብ ዝኽእል ርትዓዊምምሕዳር ምቕያሩ ማለት እዩ።

“ብቑዕ መተካእታ ንምዃን” ብናይ ውሱናት ኣካላት ቃልሲ ወይ ጽቡቕ ድሌት ዝረጋገጽ ዘይኮነ ናይ ኩሎም’ቶም ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎምን ንምትግባሩ ዝብህጉን ኣካላት ናይ ሓባር ኣበርክቶ ዘድልዮ እዩ። ናይዞም ኣካላት ውሁድ ኣበርክቶ ኣድማዒ ክኸውን ከኣ፡ ንኹሎም ኣከኣኢሉ ዘዋስእ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተደኮነ ናይ ሓባር ሜዳ ምምድማድ ናይ ድግን እዩ። እዚ ሜዳ’ዚ ከኣ ናይቶም ተዋሳእቲ ኣተሓሳስባን ኣበርክቶን ብማዕረ ዝንጸባረቐሉ ክኸውን ናይ ግድን ኣድላይ እዩ። እቲ ብቑዕ ተካኢ ንምዃን ከቢድ ዝኸውን ከኣ እቲ ብዘይምጉናይን ምግላልን ብናይ ብዙሓት ዝንባለታት ዝተቓነየ መድረኽ ቃልሲ ምፍጣር ዝከኣል፡ ግና ድማ ናይቶም ተዋሳእቲ፡ ህዝባዊ ሓልዮት፡ ምጽውዋርን ምክኣላን ዝሓትት ብደሆ ስለ ዝኾነ እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ ክኸፈል ዝግበኦ ዋጋ ክትከፍል ቅሩብን ብቑዕን ምዃን ከኣ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ኣብዚ ናይ ሓባር መድረኽ ዘሳኒ ተዋሳኢ ክትከውን ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክህልወካ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ብብዙሕ ዓይነት ብዙሕነት  ዝተነድቀ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልወካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ኣብቲ ሰፊሕ ናይ ብዙሕነት ባሕሪ ዘሰማምዓካ ኮነ ዘፈላልየካ ኣተሓሳስባ ከም ዘሎ ፍሉጥን ቅቡልን እዩ። ንኣብነት ኤርትራውነትና የሰማመዓና፡ ህዝብና ካብዚ ካባብና ሓሊፉ ንዓለም የሽቕል ካብ ዘሎ መሪር ወጽዓ ህግዲፍ ናጻ ክወጽእ ኩልና እንሰማማዓሉ እዩ፡ ኤርትራ ድሕሪ ህግዲፍ እንታይ ዓይነት ምምሕዳር ከም ዘድልያ ከኣ፡ ኣብ ደቂቕ ኣተገባብራኡ ደኣ ንኡሳት ፍልልያት ነመዝግብ ንኸውን እምበር እንሰማመዓሉ እዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ብቑዕ መተካእታ ንምዃን ናይ እንካይዶ ቃልሲ ብዙሕነትካ ዓቂብካ ኣብቲ ዘሰማማዓካ ኣትኪልካ ክትሰርሕ ምብቃዕ እዩ። ሓድነት ኣብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኣካላት ጥራይ ዝትግበር ከም ዘይኮነ ኩልና እንርደኦ እዩ። ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ብሓባር ምስራሕ ቀሊል ክነሱ፡ ከቢድን ዘይከኣልን ኣምሲልና  ስለ ዝሓዝናዮ ኢና እምበኣር መፍቶ ህግዲፍ ንኸውን ዘለና እሞ፡ ብጽሞና ክንሓስበሉን ግቡእ ዋጋ ክንከፍለሉን ይግበኣና። ዝኾነ ይኹን ህጹጽነትን እዋናውነትን ዘለዎ ጭረሖ እንተ ኣልዓልና እውን፡ ክስገር ዘይግበኦ ዕማም እዩ። ካልእ ነዚ ሓቢርካ ምስራሕ ዘኽብዶ፡ ህግዲፍ እውን ብሓባር ክንሰርሕ ብዘይምብቃዕና ስለ ዝቐስን ኣብ ሞንጎና ሓዊ ካብ ምስዋር ዓዲ ከምዘይውዕል ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

Last modified on Tuesday, 21 May 2019 09:58