Print this page

ህዝቢ ደኣ መዓስከ፡ ደጊፉ ይፈልጥ

2019-05-07 06:51:25 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2369 times
Rate this item
(0 votes)

ኩሉ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ዳርጋ ኩሉ ናይ ሓደ ሃገር ህዝቢ ፖለቲካኛ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ስግኣት ናይ ምህላዉ ምልክት እዩ፡ ዝብሉ ናይዚ መዳይ ምሁራት ኣለዉ። እቲ ፖለቲከኛ ምዃን ብዙሕ ኣገባብ ኮይኑ፡ ክሳብ ዕላማኻ ኣነጺርካ ብግቡእ ተወዲብካን ናይ ኣተገባብራ ሜላታት ስኢልካን ምቅላስ ዝምጠጥ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ኮነ ኣብ ወጻኢ፡ መውጽእ ኣፉ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባታት፡ ጉዳይ ሕገ-መንግስቲ፡ ጉዳይ እሱራት፡ ጉዳይ ብኩራት ሕግን ፍትሕን ጉዳይ ውሕስነትን ቀጻልነትን ሃገርን ልኡላውነታን ጉዳይ ምምልካት ዶብን ኮይኑ ምህልዉ ከኣ ናይ ህዝብና ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይ ምስታፍ ጻዕቁ ዘርኢ እዩ።

ብመንጽርዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክልተ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣዕሩኽ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባቲ ቀደም ከም ዘይድፈር ሕዛእቲ ዝፍራህ ዝነበረ ሎሚ ግና ተሳዒሩ ዘሎ ፖለቲካ ሃገርና ወግዒ ይጅምሩ። እዚ ዕላሎም ቅድሚ ኩሉ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ስግኣትን ዘይምትእምማንን መንደቕ ከም ዝፈረሰ ዘመልክት ነይሩ። በዚ ዝጀመርዎ ዕላል ከኣ ዳርጋ ንኹሉ ክበሃል ብዝኽእል ንኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ብፍሩዩ ዳህሰስዎ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ዘየግሃደ ነናብ ኢድካ ናይ ምስሓብ ምልክታት የርእዩ ነበሩ።

ኣብ መንጎ ዕላሎም እቲ ሓደ፡ “ኣነስ እዚ ሰብኣይ ጉድ ከይገብረና እሰግእ እየ” ይብል። “እዚ ሰብኣይ” ዝብሎ ዘሎ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። ብስሙ ዘይጸወዖ ስለ ዘኽበሮ ዘይኮነስ ስለ ዝጸለኦ እዩ። እቲ መዓልልቱ ትቕብል ኣቢሉ፡ “ኣንታ ንስኻስ ዘይተመጸኦ የብልካን፡ ጉድ ከይገብረና ክትብል እንከለኻ እንታይ ማለትካ እዩ?” ኢሉ ይሓቶ። እቲ ዓብይ ዘረባ ዝጀመረ ሳብኣይ ከኣ “እዋእ ምስዚ ዘርእዮ ዘሎ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ኣካይዳ እሞ ምስቲ በብኹርንዑ ዝነፍስ ዘሎ ዘረባታትስ፡ ወያ ኣእላፍ መላምል ሰማእታት ዝኸፈልናላ ነጻነትና ብናይ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ልኡም ናይ “ንደመር” ስብከትን “ብኢሱን ወዲ ኣፎምን” ናይ ቅብጥሮት ኣስማትን ተሰሊቡ ከየጥፈኣ ኣየስግእንዶ ኢልካዮ ኢኻ?” ኢሉ ንሕቶኡ ብሕቶ መለሰሉ።

ወዮቲ ክሰምዕ ዝጸንሐ ከኣ “ክላእ እዝስ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ስለ ዘይክእል ስግኣት ከሕድረልካ ኣይግባእን እዩ” በሎ። እቲ ዕላል እንዳሞቐ ከደ እሞ “ከምኡ ከየጋጥም እንታይ መረጋገጺ ኣለካ? ቀደም’ውንኮ ብኸምዚ ምስ ጀመረ እዩ ኣብ ክንደይ ክሳብ ሕጂ በሰላኡ ዘይሓወየ ቁስሊ ዝወደቕና” በሎ። እቲ ከኣ ቁሩብ ናህሪ ወሲኹ “ ኣብ ልኡላዊትን ናጻነትን ሃገር ንዝግበር ምውጋይ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣይድግፎን እዩ” በሎ። እቲ ሓደ ከኣ ዝያዳ ናህርን ሕርቃንን ወሲኹ፡ “እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ፡ ናይ ህዝቢ ምድጋፍን ዘይምድጋፍን እንተኾይኑ ደኣ መዓስከ ህዝቢ ኤርትራ  ንተግባራት ኢሳይያስ ኣሚንዎን  ደጊፍዎን ይፈልጥ”   ምስ በለ፡ ነቲ መተዓልልቱ ዕድል ከይሃበ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስቲ የለን። ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ኣይክበርን እዩ። ናጻ ሓሳብካ  ናይ ምግላጽን ብእትእምነሉ ኣተሓሳስባ ናይ ምውዳብን መሰል የለን። ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ብገዛእ ገንዘብና ብመንግስታዊ ባንክ ጀሆ ተታሒዙ እቲ ንደልዮ ዘይኮነስ  መንግስቲ ብዝቑንጠረልና መቑነን ኢና ሰለይ ንባል ዘለና። እዚ ኩሉ ዝኸው ዘሎ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝደገፎ ዘይኮነ፡ ንሱ እዚ ግናይ ሰብኣይን ኣብ ገዛእ ሃገርና ንክቐጽዓና ዝመሃዞ ባዕሉ ዝመሃዞ ተንኮል’ዩ” ኢሉ ከብቅዕ ሕጂ እውን ነቲ መዓልልቱ ዕድል ከይሃበ፡ “ስለዚ ከምቲ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ ዘሎ” ዝበሃል ብመሰረቱ እኮ ናይ ጸገምና ቀንዲ ጠንቂ ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን ብደዐን እዩ” በሎ። እቲ ብውሽጡ ንህግዲፍ ከመኻንየሉ ዝደሊ ዝመስል ግና፡ መርተዖ ዝሰኣነ ሰብኣይ፡ ርእሱ እንዳሓኸኸ “ ንሱስ ሓቅኻ ኢኻ ዘደቅስ ኣይኮነን” ብምባል ብሓሳብ ኢዱ ክህብ ተገደደ።

እዚ ዝተጠቕሰ ዕላል ናይዞም ዝጠቐናዮም ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኮይኖም ወጃዕ ዝብሉ ክልተ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሎሚ ኣብ እንዳኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ እዩ። ከምቲ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብከየኒ ዘሎ” ዝበሃል፡ ብመሰረቱ ናይቲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ቀንዲ ጠንቂ ህግደፍ ንድምጽን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘየእቱ ምዃኑ እዩ። ካብ ሕገመንግስታውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዝሃድም ከኣ ካብ ህዝባዊ ተሓታትነት ንምህዳም ምእንቲ ክጥዕሞ እምበር፡ ካልእ ምኽንያት የብሉን። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይሰምዖን እዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጽልኢ እዩ’ውን ዝርእዮ። ንዘይፈትዎ ህዝቢ “የመሓድሮ ኣለኹ” ምባሉ ከኣ ፈጺሙ ናይ ደሓን ከምዘይኮነ ህግደፍ ብተግባር የርእየና እዩ  ዘሎ። ብሚዛነይ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይፈትዎን ሓሳቡ ስለ ዘይቕበልን፥ በቲ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድሃኽ ስራሑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። እቲ ንዘይፈትዎን ሓሳቡ ንዘይቅበልን ህግዲፍ “ወጊድ” ክብሎ ዝግበኦ  ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ እቲ ናይዚ እዋንዚ ፍኒሕኒሑ’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ንህግዲፍ ናይ ምቕጻዕ ዕማሙ ክንድቲ ዝድለ ከምዘይፈጸመ ክእመን ይግበኦ። እቲ ንጉጅለ ህግዲፍ መመሊሱ ዘሻድኖ ዘሎ ከኣ ናይ ህዝብና ደረቱ ዝሓለፈ ትዕግስትን ጹረትን ምናልባት’ውን ፍርሒ ኮይኑ ጸኒሑ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ትዕግስቲ ናብ ፍርሒ ተርጒሙ፡ ንህዝብና ኣብ ርእሱ ክሸነሉ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ደጊም ግና ትዕግስቲ’ውን ደረት ስለ ዘለዎ ህዝቢ ትዕግስቱ ወዲኡ እዩ። ከምቲ “ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ” ዝበሃል እቲ ኣድብዩ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ እንተተላዒሉ ተመኩሮ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዘይድገመሉ ምኽንያት የለን።

Last modified on Tuesday, 07 May 2019 08:53