Print this page

መሬትካ ተጎቢጡ ምትእምማን ይህሉዶ?

2019-03-26 19:28:54 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1743 times
Rate this item
(0 votes)

ሓደ ነቲ ካልእ ብውግእ ምስ ዝስዕሮ፥ ሓደ ሓያልን ሓደ ከኣ ድኹምን ይኾኑ እሞ፥ እቲ ሓያል ነቲ ድኹም ተመሊሱ ሓይሊ ከይፈጥር፡ ብኹሉ ሸነኽ ማለት ብቁጠባ፥ ዲፕሎማሲ፥ ፖለቲካዊ ከዳኽሞ ናይ ሰዓርቲ ባህሪያት እዩ። ካብቲ ዝሓሰብዎ እውን ብምንም ዓይነት ክላቐቑ ድልዋት ኣይኮኑን። ኢሰያስ ውን ስዒሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ጸሓይ ብዝዓረበቶ ተመሊሳ ኣይትበርቕን እያ ውን” ኢሉ ነይሩ እዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ተረኺቡ ዘሎ ጉዳይ፥  ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝመሳስል፡  ካብ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ንልኡላውነት ሃገርና ዝፈታተን ከይከውን ዘጠራጥር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ልክዕ እንታይነት ናይቲ ዝድለ ዘሎ ስምምዕ ስለዘይግለጽ ኣብ እንተታት ክተድህብ የገድደካ። ካብዚ ሽግር ከይንላቐቕ ድማ ተቓወምቲ ሕዝ ፍንጥሕ፥ ኣልቦ ስምምዕ ኮይኑሉ ዘሎ ህሞት ብቐሊሉ ንዘልቆ ኣይመስልን። እዚ ነታ ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ኣብ 1975 ዘበላ የዘኻኽረካ። ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ዝበሎ፥ ”ሃገራዊ ቃልስና ክዕወት ናይ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ሓርነታዊ ቃልስና ግን ገና ሓምሳ ዓመት ከድልዮ እዩ።” ካብታ ነዚ ቃል ዝበሎ ኣትሒዝና እተን ሓምሳ ዓመታት ከመልኣ ሽዱሽተ ዓመት ተሪፉ ኣሎ። ስለዚ ፣ምናልባት ካብዚ ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ኣካይዳን ኣብ ንሓድሕዱ ምትፍናን ወጊዱ ብሃገራዊነት ስምዒት እንተተቓሊሱ ኣብ 2025 ዋግዋጎ ናይ ሓርነትና ይቀላቐል ይኽውን። ካብኡ  ሓሊፉ ኣነ ውን ብወገነይ “ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ደኣ ከይትብሉኒ እምበር ኣብ 2035 ብርሃን ንርኢ ንኸውን እብል።

ሎሚ፥ እቲ ምኽንያት መንቀሊኡ  ብዘይተፈልጠ ስምምዕ ናይ ኢትይጵያን ኤርትራን ዶብ ኣልቦ ናብ ዝብል ኣጉል ሕልሚ በሰላም ከንበረና እዩ ዝብል ሓሳብ “እዛ ዳዋ ተምጽኦ ኣለዋ” ከምዝበሃል ከይከውን ነገሩ ዘተሓሳስብ እዩ።  ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ፍሉጥ ዝነበረ ዶባታ፥ ዋላ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ከይተሓንጸጸ ዝተረፈ ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፥ ኣብቲ ግዜ ስምምዕ ውን መሬት ኤርትራ ዝተወስደ ክህሉ ይኽእል እዩ። እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ሓጊዛ ንጣልያን ኣብ ዝወግኣትሉ ውን እንተኾነ፡ ገለ ካብ መሬት ኤርትራ ከይተሸርመመ ዝሓለፈ ኣይመስልንን። ሕጂ ድማ እነሆ ትማሊ ኢሰያስ ብሰንኪ ዶብ ማዕረ ሰላሳ ሽሕ ዝተሰውኡሉ ቀያሕቲ ደቅና፥ ሎሚ ምልስ ኢሉ ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና፥ ዶብ ይተሓንጸጽ ዝበሃልሲ ውግእ ንምጽሕታር እዩ ዝብል ዝበለየ ሽጣራ ብእይከሰርናን ክድምድሞ ከሎስ ናይ ምንታይ ንዕቀት እዩ። ናትና ከይፈለጥናኸ እንታይ ዓይነት ሰላም እዩ ክሰፍን። 

ሻዕብያን ወያኔን ነቲ ናይ ኮሙዩንስት ዕላማ ዝተሓንገጠ መንግስቱ ሃይለማርያም ክድምስሱ ሓቢሮም ተቓሊሶም። እዚ ድማ ንጀብሃ ውን በቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ሕቡእ ኣጅንዳ ከምዘይትሰማምዖም ስለዝፈለጡ፥ ክትድምሰስ ተፈሪድዋ። ተመሊሳ ወያኔ  ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተበየነ ቅድም ክንዛተ ኣሎና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉዳይ ናይ ዶብ ክሳብ ሕጂ ከይተሓንጸጸ ተሪፉ። እዚ ስለምንታይ እዩ ናብ ከምኡ ደረጃ ተበጺሑ? እንታይ ስለተደልየ እዩኸ ከምኡ ተሓሲቡ።? ምስቲ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝበሎኸ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? ማለት ዶ/ር ኣብይ’ውን እኮ ቅድም ምርግጋእን ምትእምማንን ንፍጠር ኢዩ ዝበለ። እዚኣስ ሰላሕታ ወራርዶ ኣይተብልን። እዚ ምስቲ ናይ ወያኔ ክተነጻጽሮ እንከሎኻ ብዙሕ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ወረ ናይ ዶ/ር ኣብይሲ’ውን ፓርላማኡ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ የለን  እዩ ዝብል። እቲ ዶብ እንተዘይተሓንጺጹኸ እንታይ ሳዕቤን ወይ ትርጉም ኣለዎ? ነቲ  ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ብኽልቲኡ ሸነኽ ካልኣዊ ዝብል ዘረባ እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ካልኣዊ ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ብዙሕ እንተታት ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ ብሄር፥ ታሪኽ፥ ባህሊ፥ ቋንቋን ታሪኽን ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎስ፥ ሓደ ቋንቋ ባህሊ ታሪኽ ዝብል ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ ክርስቲያናዊ ሸነኽ ካልእ ምስ ሰዳን ዝዳወብከ ቋንቋን ባህልን ታሪኽን ዘተኣሳስሮ ሕብረተሰብ የብልናን ዲና? እዝስ ነቲ ኣብ ግዜ ሓያላን መንግስታት ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ እቲ መታሕት ንሱዳን እቲ ከበሳ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ምምቃል መደብ ወይ እውን እንተወሓደ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምፍልላይ ወይ ድማ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዝጠራጠር ንምግባርዶ ኣይመስልን። ምስናይ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ስኢና፥ መነሊክ ንኤርትራ ያኢ ከም ኣቕሓ ቆጺሮማ ሸይጥዋ ክብሉ እንከለዉ፥ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎ ማለትዶ ኣይኮነን። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ ኣላሽ ከምዝብል ገርካ ክሳብ ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕ ስኢኑ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መንነታውን ቅልውላው ንኽሽመም እዩ ዝመስል።

ስለዚ ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሕንጸጽ እንከሎ እዩ ምትእምማንን ሰላምን ክፍጠር ዝኽእል። ምኽንያቱ ብሕጊ ንዝተወሰነ ኣብ ተግባር እነተዘይ ውዒሉ፡ ዝያዳ ዘየተእማምንን ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእን እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ሕጊ ጥሒሱ ንዝጎዓዝ በየናይ ሕጊ ጌርካ ኢኻ ደው ክተብሎ። ዶብ ክሕንጸጽ እንከሎ ግን ድንክል ክተቕምጥ ምዃንካ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነናትካ ፈሊጥካ ኣብ ሓድሕዳዊ ርክባት እትኽተሎ ሕግታት ዝተኣማምንን ሰላምን ቅሳነትን ከውሕስ ይኽእልን ይኸውን። ህዝብን መንግስትን’ውን ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ዝስግሮን ዘይሰግሮን ፈሊጡ በቲ ዝተሰማምዕሉ ሕጊ መሰረት ብኣገባብ ክጎዓዙ ከለው እዩ ምቹእ ሃዋህው ዝፍጠር። ስለዚ ዶብ ኣብ ክንዲ ምሕንጻጽ ቅድሚኡ በዝን በትን ክንሰማማዕ ኣሎና ምባል ነታ ባድመ እውን ብሕጊ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተፈልጠ ዶብ ዘይምሕንጻጽ፥ ምስ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ  ክተኣሳሰር ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ማለት ምስቲ ኢትዮጵያውያን ኣፍደገ ባሕሪ ስኢናን ካልእን ምባሎም ክተታሕዞ እንከለኻ ባድመ ክንገድፈልኩም ዓሰብ ብናጻ ግደፉልና ናብ ዝብል ሓሳብ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብምኽንያት ይኹን ብዘይምኽንያት ዝደናጐ ዘሎ ከብለካ ዝኽእል። ስለዚ ቅድም ንዛተ ወይ እውን ምርግጋእን ሰላምን ንፍጠር ምባል መሀመሊ እዩ። ብተወሳኺ ነቲ ብሕጊ ዝተበየነ ሓንጊድካ መሬትና ተጎቢጡ እንከሎ ንዛተዶ ነረጋግእን ነተኣማመንን ዝበሃል፡ ፈረስ ድሕሪ ሰረገላ ዝዓይነቱ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራ ዘይምሕንጻጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ዘይምውጻእን፡ ከምታ ናይ ጎላን ኮረብታ  ብእስራኤል ተታሒዙ ዘሎ መሬት ሱርያ እዩ ክኸውን።

Last modified on Tuesday, 26 March 2019 20:31