Print this page

መላኺ ስርዓት ክወድቕ ህዝባዊ እምነት ክስእን ኣለዎ

2019-03-09 11:16:08 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1798 times
Rate this item
(0 votes)

ዋንነት ቃልሲ ህዝቢ፥ እቲ ዓወት ድማ ዓወት ህዝቢ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ብመራሕቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት፡ ነቲ ካብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ምጅማሩን ቅድሚኡን ዝተሰውኡን ዝተሰወኣን ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣደታትናን ዝተሰርሐ ታሪኽ ምስክር ሃገራውነትና እዩ። ምልኪ ብዘስዓቦ መዘዝ ታሪኽና ክንድውንን ክነነእኣስን ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ ዕምሪ ምልኪ ንምሕጻር ተሳኒናን ሓቢርናን ምቅላስ ቀንዲ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ዓለምና፥ ገለ ካብቶም ዓይነታት ዲክታቶራውያን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ወተሃደራዊ ምልኪ፥ ኣሃዳዊ-ሰልፋዊ ምልክን፥ ኢምብራጦርያዊ ምልክን ኢዮም። ኣብ ናይ ኤርትራ ምልኪ ምናልባት ነፍሲ ወከፍና ነናትና ርዲኢት ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ ኢሰያስ ምልኪ ወተሃደራዊ ምልኪ ዲዩ ወይ ኣሃዳዊ-ሰልፋዊ-ምልኪ ወይ ናይ ውልቀ ስርዓታዊ ምልኪ።? ምናልባት እንተተሰማሚዒና እዚ ዳሕረዋይ ማለት ናይ እንኮ ወይ ውልቀ ስርዓታዊ ምልኪ ኢዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ንሱ ዝዕብልሎ ገባርን ሓዳግን ብምዃኑ፡ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእትወ እንኮ-ስርዓተ ምልኪ ኢዩ። ስለዚ ምልካዊ ስርዓት ስልጣኑ ከደልድልን፡ ህዝቢ ክስዕቦን ኣብ ሓይልን ናይ ሰለያ መሳርሕን ተመርኲሱ፥ ንዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ብኣግኡ ንምግታእ ዘኽእሎ ሜላ ይውንን። ኣንጻሩ ዝብገስ ሓይሊ ኣይህሉን፡ እንተልዩ ፍሕት ከይበለ ዘየለ ምስምስ ብምምጻእ፡ ንዝስእሰር ኣሲሩ፡ ንዝቕተል ቀቲሉ፡ ነቲ ኣንጻሩ ምንቅስቓስ ቀጻልነት ከምዘይህልዎ ይገብሮ። ብተወሳኺ፥ ቁጠባዊ ብልጽግና ተረጋጊጹ ህዝቢ እፎይ ኢሉ ከይቀስን ድማ፡  ኣብ ትሕቲ ኢዱ ገቢቱ ህዝቢ ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ርህራሄኡ ተሸቚሪሩ ክነብርን ነዛ ድራር ዕለት እንጌርኡ ንኸውሕስ ጥራሕ ከምዝሓሳብ  ይገብሮ። ደገፍ ህዝቢ ንኽረክብ እምበኣር ካብ ምፍርራህ ወይ ራዕዲ  ወይ እውን ገለ ሽመት ወይ ሓለፋታት ብምሃብ ንገለን ድማ ተሪር መቕጻዕቲ ይጥቀም። 

ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሰያስ ምናልባት ደገፍ ህዝቢ ንምርካብ ነቲ ጂሆ ሒዝዎ ዘሎ ህዝቢ ኣታሊሉ ንግዚኡ ተስፋ ክህቦ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ንቁጠባዊ ብልጽግና እንተስ ብኣፍ እንተስ ብተግባር ንምርግጋጽ፥ ንይመሰል ከንቀሳቕስ ይኽእል ይኸውን። ንኣብነት ከምዚ ሕጂ ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ከይተገደሰ፥ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ  ቁጠባውን ፖለቲካውን ንምውህሃድ ኪኖ ሃገርና ክንሓስብን ክንጽዕርን ኣሎና እናበለ ንህዝቢ ዝጥብሮ ዘሎ ኢዩ። እዚ ግን ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ንኽስለፍ ወይ እውን እምነት ንኸሕድር ዝገብሮ ምስሉይነት ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ገንዘብ ህዝቢ ወኒኑ ባዕሉ ኣብ ወርሒ ክንድዚ ክትጥቀም ኣሎካ ኢሉ ዝስልዕ፥ ንዕለታዊ ህይወት ናይ ዜጋታት ዝቆጻጸር እዩ።

እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፍጸም ተግባራት ናይ መብዛሕትኦም ምልካውያን ተግባር ክኸውን እንከሎ፥ ግፍዒ ኤርትራዊ ምልኪ ግን ኣዝዩ ዝኸፍኤ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝተጨቘነን ዝተገፍዐን ህዝቢ ከኣ፡  ውዒሉ ሓዲሩ መስተርሆ ዝረኽበሉ መዋጽኦ ከፈጥር ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እምበኣር ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጭቆና እናነበረ ንምልኪ ከልግሶዶ ይኽእል።? ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህሪያዊ ኢዩ። መልሱ ድማ እወ ኢዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ቁጠዔን ቅረታታትን ህዝቢ ልዕሊ መዳፍዕን ታንክታትን ስለዝኾነ።  ሎሚ፡ እቲ ህዝቢ ካብ ክቱር መከራን ሕሰመን ሕማቕ ምሕደራን ዝሓደሮ ስምዒት ኣለዎ። እዚ እቲ ምልክታት ብሰንኪ  እቲ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ፥ ነቲ ዝስመዖ ክሳብ ሓባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ዝበጽሕ ብተናጸል ክፍጽሞ ሓይሊ ኣልቦ ኮይኑ  ይረኣዮ። ካብዚ ነቒሉ ነቲ ስርዓት ንግዚኡ  ኣብ ቃልዕ ብፍርሓት ክኣምኖ እንከሎ፥ ኣብ ብሕቲ ግና ናቱ ርዲኢት ኣለዎ። ንሱ ድማ ነቲ ስርዓት ክሓምዮን፥ ቅሬታኡ ክገልጽን ኢኻ ትረኽቦ። እዚ እቲ ምልኪ ምንቁልቋል ህዝባውነቱ ዝጅመረሉ ምልክት ኢዩ። እዚ ቅረታታትን ተስፋ ምቚራጽን፥ ብፍላይ እታ ብደሙ ዘምጸኣ ሃገር ብዝካየድ ዘሎ ሽጣራታት ብቐሊሉ ካብ ኢዱ ክትመልቆ ኣይፈቅድን ኢዩ። እቲ ጥልመት እናጎልሀን፥ እቲ ግፍዒ እውን እናተደራረበን ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን ከኣ፥ እቲ ቅረታታት ናይ ህዝቢ እናዛየደን እናሰፍሐን ይኸይድ። እዚ እናጠጠዔ ክኸይድ እንከሎ ድማ እቲ ፍርሒ እናተቐንጠጠ፥ ንትእዛዛት ምልኪ ኣብ ዘይምቕባል ናይ ኣብያ ምልክት የርኢ። ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝገብሮ ስለያ ከቋርጾ ይጅምር።

ስለዚ እዚ ከምዚ ኢሉ እናኸደ እቲ ናይ ምልኪ ምዕናው ዝረኣየሉ እዋን እምበኣር፥ እቲ ህዝቢ፥ ብሄርዶ፥ ኣውራጃዶ፥ ክስታናይ ኣስላማይ ወይ ከበሳ መትሓት ከይበለ ክጠራነፍ ይጅምር። እቲ ህዝቢ ኣብ ምጥርናፍ ዘድህበሉ እዋን፥ እቲ ምልኪ ህዝባዊ ደገፍ ወይ እምነት ይስእንን፥ ብሰንኪ ጭቆናዊ ምሕደራኡ  ድማ፥ ድሌት ህዝቢ ከማልእ ስለዘይክእልን፥ ሸለው ኢሉ ዝጸድፈሉ እዋን ይኸውን።

Last modified on Saturday, 09 March 2019 12:18