ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎኦተ፡ቦከንሀመር ዋርተ ፍራንፈርት
ኣብታ ኣብ ኤውሮጳ ብናይ ቁጠባዊ ምንቅስቓሳ ፍልጥቲ ዝኾነት ከተማ ፍራንክፈር ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆሃን ዎልፍጋንግ ካብ 3 ክሳብ 5 ነሃሰ 2018 ዝካየደ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018፡ ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነትን ደሞክራስን ልሉይ ኣበርክቶ ዘለዎም ነባራት ተቓለስቲ ካብቶም መደረታት ዘቕርቡ ክኾኑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ካብቶም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘመን ፈስቲቫል ፍራንክፈርት መደረ ከቕርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ፡ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ)ን ተቐባሊ ኣጋይሽ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ይርከብዎም።
ካለኦት ኣብዚ ፈስቲቫል ኣብ 4 ነሃሰ 2018 መግለጽታቶም ከቕርቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ከኣ እዞ ዝስዕቡ እዮም
ብዘይካዚ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ንጀርመን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፍን ሓምላይ ሰልፊ ጀርመንን ኣብዚ ፈስቲቫል ቃል ከም ዘስምዑ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ዓመታዊ ፈስትቫል በቲ ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ዝዳለው እዩ። ናይዚ ፈስቲቫል ኣሰናዳእቲ ምስቲ ኣብ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ዝምዕብል ዘሎ ለውጥታት እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲፋል ፍሉይ ክኸውንዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ኣብዚ መድረኽ ብዛዕባ ህልዊ ምዕባለ ከባቢና ዓሚቕ ዘተ ከካይዱ ትጽቢት ይግበረሎም።