ሰንበት ነሓሰ 20, 2017 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዳ። ቀንዲ መበገሲ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ትካኣዊ ኣሰርርሓ ኣብ ዞባ ምዕቃብ ኮይኑ፣ ንህጹጽ ጉባኤ ዞባ ምድላው ከኣ ቀንዲ ዕማማ እዩ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻብ ካብ ናይ ስርርዕ ሽማለ ተቀቢላ፣ ተመያይጣ ኣጽዲቃ። ናይ ስርርዕ ሽማግለ ንስፊሕ መደባታ ንምትግባር ብጻዕቂ ክትንቀሳቀስ መዲባ ኣላ። ብመሰረት ጸብጻብ ናይ ስርርዕ ሽማግለ፣ ካልኦት ሽማግለታት ስረሐን ጀሚረን ኣለዋ።
ናይ መሰረት ድሌት ዝዓግቶ ሓይሊ የለን