ዝኾነ ይኹን ግርጭት ካብ ብምርድዳእ ሓሊፉ ብውግእ ንምፍታሕ ዝህቀን ከይዱ ከይዱ ዕንወትን ብርሰትን እምበር ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ምስ እዚ ዕንወት ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ጽልኢ: ቅርሕንትን ናይ ሕነምፍዳይ ኣተሓሳስባን ይኸውን እሞ ቀጺሉ ውግእ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምትፍናን ይንበር። ዓለምና ካብ ውግእ ዝረብሓቶ ነገር እንተልዩ ዕብለላ፡ ጭቖናን ገበተን እምበር ዋላ ሓንቲ ኣውንታ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ተሓሚሳ ኣብ ናይ ኣጽዋር ውድድርን ንግድን ተሸሚማ ትርከብ።
ካብ ውግእ ዝረብሐ ዋላ ሓደ የለን። ንኣብነት ሂትለር እንተወሲድና ዳርጋ ንምሉእ ኤውሮጳ ተቖጻጺሩ ነይሩ እዩ። መወዳእትኡ ግና ከሰረ እምበር ኣይረብሐን። ሎሚ እውን ዓለምና ንውግእ ብዘገልግል ናይ ኣጽዋር ውድድር ትሳቐ ኣላ። እዚ ውድድር እዚ ንህልቂት እምበር ንሰላምን ቅሳነትን ከምዘይኮነ እነሆ ብዓይንና ንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እዚ ውድድር’ዚ ገበትን መለኽትን ዓለም ንምቁጽጻር ዝጥቀምሉ ዓመጸኛ መስርሕ እዩ።
ውግእ እንታይ ዘየብርስን ዘየጥፍእን። ፍጡር ክጠፍእ እንከሎ ብሩህ ራኢ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት እውን ምስኡ ይልከሙ እሞ፡ እታ ሃገር ናይ ክኢላታትን ፈላጣትን ድኽነት የጥቅዓ። ፍልጠት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ከኣ ናብ ምዕብልናን ስልጣኔን ገጹ ከድህብ ይጽገም። ስለዚ “ውግእ ኣየድልን እዩ” ከበሃል እንከሎ ከም ድኽመትን ተንበርካኽነትን ገይሮም ዝቖጽርዎ ብዙሓት እዮም።
ጸረ ውግእ ደው ምባል ዕላምኡ፥ ውግእ፡ንሰላም፡ ንዲሞክራሲ፡ ንፍትሕን ማሕበራዊ ውህደትን ዘውሕስ ከም ዘይኮነ ንምርኣይ ምዃኑ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ። እዚ ከኣ እንታይነት፡ ውጽኢትን ሳዕቤንን ውግእ ንምርዳእ ይሕግዝ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውግእ ወይ ጎነጽ፡ ሰላምን ፍትሕን ዘየረጋግጽ ሳዕቤን ካብ ሃለዎ እቲ ጎዳኢ ዝኾነ ሳዕቤናቱ ከም ንሰላምን ፍትሕን ዘረጋግጽ ገርና ክንወስዶ ኣይግባእን።
ንውግእ ከም ቀዳማይ ምርጫ ዝወስድ ኣብ ውሽጡ ስግኣት ዝሓደሮን ሕቡእ ጦብላሕታት ዘለዎን እዩ። ብሓጺሩ “ኣነኸ ካብ መን ሓሚቐ እየ” ዝብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ንኽህልወካ እዩ ዝገብር። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ናይ ጎነጽን ዘይጎነጽን ኣነጺርና ክንፈልጦ ኣብቲ ውጺቱን ሳዕቤኑን ምትኳር እዩ እቲ ዝሓሸ። ብጎነጽ ወይ ብውግእ ኣቢለ ዲሞክራስን ፍትሕን ከንግስ እየ ዝብል ኣካል ስለምንታይ ምስቲ “ዘይጎነጻዊ” ዝብል ምርጫ ዝጻረር ወይ ዝፈላለ? ነዚ ሕቶ መልሲ ክነናድየሉ ይግበኣና። ደሓር ከኣ ውግእ ኣካይድካ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ኢኻ ተምርሕ። ኣብ መወዳእታ ምስተዳኸምካ እንድሕሪ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ትምለስ ኮይንካ ደኣ ስለምንታይ ብኣግኡ ኣብ ውግእ ከይኣቶኻ ፍልልይካ ብዘይጎነጽ ንምፍታሕ ዘይትጽዕር? እምበኣር እቲ ቀንዲ ውግእ ዝድለየሉ ዘሎ ጉዳይ ጐብለል ኰይንካ ናይ ምውጽእ ህርፋንን ህልኽን እዩ። እዚ ከኣ ጸቢብ ረብሓኻ ንምቕዳም ዝግበር ውድድር እምበር ንሃገራዊ ረብሓ፥ ዲሞክራሲያዊ ማዕርነትን ፍትሕን ከምዘይኮነ ኩሎም ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ኣመስኪሮሞ እዮም።
ውግእ፥ ሓይልን ጉልበትን ናይ ደቂሰባት ኣዳኺሙ፡ ንብረት ኣዕንዩ ዘዳኽም ደኣ እምበር፡ ፍልልያት ፈቲሑ ቀጻልን ውሑስን ሰላም ዘየምጽእ ምዃኑ ርኢና ኣለና። ብመሰረቱ ውግእ ክትመርጾ እንከለኻ፥ ኩሉ ግዜ ሰዓራይ ወይ ከሳባይ ከም ምዃንካ ኣሚንካ ኢኻ ትኣትዎ እምበር ክትሰዓርን ክትከስርን ኢልካ ኣይኮንካን። ውጽኢት ውግእ ናይ ተዓዋታይ-ተዓዋታይ (win-win) እስትራተጂ ኣይክተልን እዩ። ውጽኢቱ ንሓደኻ እዩ። ስለዚ እቲ ዝድለ ዘሎ ንምልኪ ኣልጊስካ ዝተኣማምን ልዕልና ሕግን ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ንምንጋስ እዩ። በዚ ኣቢልካ ከኣ ካብ ኩሉ ጸቢብ ዝምባሌታት ሓራ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ። እዚ ብውግእ ከምዘይሳለጥ ከኣ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ብውግእ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንምትግባር፡ ማለት ነቲ ብሓሳብ ካባኻ ዝፍለ ኣካል ኣውዲቕካ ስልጣን ብምጭባጥ፡ ኩሉ ናይ ምብሓት ሓሳብ ኢኻ ተተግብር። ስለዚ እቲ ክትረኽቦን ክተረጋግጾን እትደሊ ምዃን ምስ ኣበየካ ብሓይልኻ ናይ ምምንዛዕ መንፈስ ይሓድረካ።
ስለዚ ኩሉ ግዜ ውግእ ዝለዓል ካብቲ ዓብላልን ሓያልን ኮይንካ ናይ ምምጻእ ስምዒትን ድሌትን እዩ። እዚ ናይ ውግእ ህርፋን ከኣ ሕውነት፡ ስኒት፡ ሓድሕድ ምቅብባል ይኹን ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ናይ ምባል ባህሊ ይገትእ። እዚ ዘይሃናጺ ስምዒት’ዚ ከኣ እዩ ተመሊሱ ዝገዝኣካ እሞ ነቲ ባይታ ከም ዝእሹኽን ዝዝረግን ገይሩ ንበሪ-ሰላም ልኩት ኣቢሉ ዝዓጹ።