ብሰንበት 10 ማዝያ 2016 መሪሕነት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ (ሰ,ዲ.ህ.ኤ) ሰሜን ኣመሪካ ምሉኣት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ምርጫ መሪሕነት ዞባ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣኼባ ከካይዱ።
ኣኼባ ብዝለዓለ ሱታፌ ኣባኣት እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ ብኣቦ ወንብር ሓው ቃልኣብ ክፍለጊዮርጊስ ተመሪሑ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ከኣ ኣትኵሩ ብስፍሓትን ዑምቆትን ተመያይጡ፤
· ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ መሪሕነት ዞባ ዘማልኦም ዕማማት
· ክፍልታት ዞባ ሓላፍነታተንን ዕማማታንን
· ናይ ጨንፈራት ግቡእን ሓላፍነተንን
· ትጽቢት ኣባላትን ምኽርን
ኣቦ ወንበር ዞባ ንዝተመዘዘ ነጥቢ ኣጀንዳ ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ድማ ብወገኖም ዕማማቶምን መምርሒታቶምን ንኣባል ኣላለዩ። ድሕርዚ እኹል ግዜ ንሕቶን መልስን ተዋህበ። ኣባላት ሓዳስ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ኣገባብ ኣሰርርሓን ኣተሓሕዛ ዕማማትን ድሕሪ ምንኣድ፡ ዘይሕለል ምትሕብባሮም ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋገጽሎም።
መሪሕነት ዞባ ካብ እትምረጽ ጀሚራ ኣኼባታት ናይ መራሕቲ ጨናፍራትን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማትን ንጥፈታትን ተካይድ ከምዘላ ተመስኪሩ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት፡ ዞባ ጕባኤ ዘማእከለ፡ ኣውጺኣ ብዕቱብ ተታሒዛቶ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣኼባ ብመንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን እዩ ተኻይዱ።