Print this page

ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና!!!” ዝተሰምየ ማሕበርኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።

2016-04-11 19:19:56 Written by  ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2161 times
Rate this item
(2 votes)

እቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገረ ሽወደንኤርትራ ኣብ ልብና !!! ዘርእስቱ ኣገዳሲ ሰሚናር ንኩሉም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ምስ ስደተኛታት ዝሰርሑን መማህራን ብዘሕደሮ ጽልዋን፡ ሲዒቡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ተለቪዝዮን ልክዕ ሓቀኛ ሃለዋት ሃገርና ስለ ዝተቃልሔ እንሆ ንቀጻልነቱ ብግዱሳት ሽወደናውያን ፈተውቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ብሓባር ማሕበር ኣቊሞም፡ ዓመታዊ ጉባኤ ብዕለት 28/03/2016 ኣካይዶም ስሩዕ ንጥፈታቶም ከም ዝጀመሩ ነበስር። እዚ ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ብ ኤርትራ ኣብ ልብና!!!ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ዉህደትን ዝሰረቱ እዩ። ኣርማን መለለይን ማሕበር ከኣ ሰንደቅ ዕላማ ሃገር ሽወደን ብቅርጺ ልቢ ኮይና ፡ ኣብ ማእከላ ከኣ ብሰማያዊት ሕብሪ ቅርጺ ኤርትራ ክኸውን ትርጉም ሓዘልን ዘኩርዕን ኣርማ ኮይኑሎም ብሙሉእ ድምጽን ጣቅዒትን ብደስታን ኣርጊኦምዎ። ቀጺሎም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ከኣ ንዓመተ 2016-2017 እተማእክል ሽማገለ መንእሰያትን ሽወደናውያን ዝኣባላታ መሪጾምመስራቲ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም።

Last modified on Monday, 11 April 2016 21:23