Print this page

ጸዋዒት ደገፍ ንውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ

2016-03-09 18:58:45 Written by  ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉሜን ኣሜሪካ። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2131 times
Rate this item
(0 votes)

ADENA 1

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪ

ተበግሶ ነፍስኻ ምኽኣል፡

ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ዝሕግዙ ምህላዎም ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።

ሎሚ፡ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ፡ ንሓዱሽ ብድሆ ይጽውዑና ኣለዉ-

ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣል!!!

ብድሆ ነፍስኻ ምኽኣል፡ ክትግበር $40,000.00 ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መጋቢት 6፡ 2016፡ ብሓልዮት ረድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነትን መደብ ወፈያ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ኣዝዮም ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓጺር ሰዓታት ልዕሊ $4,100.00 ዶላርን 100.00 ፓውንድስ ክዋጻእ ክኢሉ።

እቶም ወፈየኦም ዘበርከቱ ኤርትራውያን፡

  1. ናዝ የማነ - ሃሊፋክስ ካናዳ       >>>>>>>>>>> $ 500.00
  2. ሕድራይ ፍሳሃ - ካሊፎርኒያ/ ኣሜሪካ >>>>>>>> $1000.00
  3. ተኽለ ሃብተ- ካሊፎርኒያ/ኣሜሪካ   >>>>>>>>>   $ 500.00
  4. ክኪ ጸጋይ- ኣሜሪካ                        >>>>>>>> $ 500.00
  5. ኣለም ጎይተኦም- ኣሜሪካ          >>>>>>>>>>>   $1000.00
  6. ሓይለኣብ ጸጋይ       >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 500.00
  7. ስሙ ክጠቅስ ዘየደለየ >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 100.00
  8. መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ካም >>>>>>>>>>>>>> 100.00 ፓውንድ (ስተርሊን)

ክዋጻእ ክኢሉ። ኣሎ በረከት!!!

ክሳብ እቲ ዝደለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝእከብ ወፋያ ቀጻሊ`ዩ።

ሰንበት፡ መጋቢት 13፡ 2016፡ መደብ ወፈያ፡ ብረድዮ ድምጺ ኤርትራን መሰከረም.ነትን ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ኣቆጻጽራ ኒው ዮርክ) ጀሚሩ ክሰላሰል እዩ።

ምስጋና፡

ንኹሎም ልዑል ልግሲ ዘበርክቱ ዘለዉ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ከምኡ`ውን፡ ሓው ሕድራይ ፍሳሃ፡ ን13 መጋቢት ምስ ረድዮ ድምጺ ኤርትራ ተታሒዙ ንዝነበረ መደብ ክቋረጽን፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ጊዜ ነዚ ዝዓበየ ጉዳይ ውጉኣት ሓርነት ክኸውንን ነዘቕረቦ ሓሳብ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ቀጥታ ናብ ባንክ ወፈያኹም ከተበርክቱ ንእትደልዩ፡-

Organization name-

                Association of Disabled Eritreans in North America

Bank: Chase Bank

Bank Account: # 901128439

Routing # 071000013

ንዝኾነ ሓበሬታ፡

  1. ጸጋይ ነጋሽ   (303) 847-9130
  2. ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ (847) 485-8379

ሰብ ሕልና`ዩ ሓይሉ፣ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ብስም ውጉኣት ሓርነትና መደበር ከሰላ

ብቐጻሊ ንእተበርክትዎ ልግሲ ብልቢ ነመስግን።

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉሜን ኣሜሪካ።

 

Last modified on Wednesday, 09 March 2016 20:01