ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰዲህኤ ብዕለት 23.01.2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሰሚናር ኣካይዱ። ኣኼባ ብሰናይ ምንዮትን ምስጋና ንተሳተፍት እዩ ብሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ-መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኸፊቱ። ዕላማ ሰሚናርና ብምንጽር ኣቀዲሙ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ተዘርጊሑ ዝጸንሐ፡ ዛዕባታት ናይ ሰሚናር'ውን ሓደ ብሐደ ኣንቢቡ። ኣብዚ ን6 ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር‘ዚ፡
1 - ህልዊ ኵነታት ሰልፍን ሃገርናን ብፍላይ፡ ከምኡ‘ውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ድማ ብፍላይ ዘሎዎ ጽልዋታትን፤ ብወኪል መሪሕነት ሰልፊ፤
2 - መግለጺ መደባት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣቦ-መንበር ዞባ፤
3 - ጸብጻባትን ገምጋምን ጨናፍር ንኡስ ዞባ ኤውሮጳ ጀርመን፤
4 - ኣብዝሓለፈ ዓመት 2015 ዝተሰላሰሉ ዕማማትን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታትን፤
5 - ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን ንመደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን፤
6 - ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2016 መደብ ስራሓትን ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ለበዋታት ዝብሉ ዛዕባታት ዝሃዝ ሰሚናር እዩ ነይሩ።
ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፡ ድሕሪ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአ ማእከላይ ባይቶ ነፍሱ ሰሪዑ፡ ናይ ስራሕ መደባት ተሊሙ፡ ምምሕዳራዊ ኣካላት ኣቝሙ ስርሑ ምስ ጀመረ፥ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት ኣብሪሁ። ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ‘ውን፡ ዘቕረቦም መምስ መድረኹ ዝዛመዱ መዘክራትን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተቐልቀሉ ሓደስቲ ናይ ልዝብ መኣድታት፡ ሰሚናር ናይሮብን ፍራንክፎርትን፡ ብዕለት 09.11.2015 ዝተሰላሰለ መጋባኣያ ብራስልስን፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ ርክባትን፡ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ድሕሪ ምብራህ፡ ንረብሓ ቃልሲ ህዝብና ክውዕሉ ድማ መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ዝያዳ ናይ ስኒትን ሓባራዊ ስራሓት መሪሕ ተራኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ።
ካብኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ፥ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ምቋሙ ዘካየዶም ንጥፈታታን ዝተተለሙ ዕማማትን ድሕሪ ምቅራብ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናይ 2016 ክሰላሰል ኣብ ምድላው ዘሎ ጉባአን ዝሕዞ ጠባያትን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጺኣ ኣብምንቅስቓስ ምህላዋን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ብምርጫ ንምስታፍ ጉባኤ ነብሱ ኣዳልዩ ክጸንሕ ከምዝግባኣን ኣመልኪቱ።
ብድሕሪ‘ዚ፡ ብሽማግለታት ጨናፍር ዝቐረበ ኵነታትን ንጥፈታትን ጨንፈራት ዝሕብር ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፤ ሰሚናር ገምጋም ብምግባር፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዝተረጋገጸ እወንታዊ ጉዳያት ክንደፍኣሎም ከም ዘሎናን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታት ድሕሪ ምዝርዛር ከኣ ንምምሕያሾምን ኣብ ፍጻሜ ክውዕሉን፡ ዝተጸንዐ ኣገባብን ዝዝያዳ ጻዕርታት ክግበርን ዝብል ነጥቢ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ተኻይዱ። ጉዳያት ብሕቶን መልስን መልክዕ ምስ በሰሉ ከኣ ንብድሕሪ ሕጂ ከመይ ጌርና ንኩሎም ኣካላት ወይ ክፍልታት ስራሓትና ብኮሚተታት እናወደብና ናይ ስራሕ ምክፍፋልን ብጽፈት ክንሰርሖም ከም ዘሎና‘ውን ሓደስቲ መደባት ወጺኡ።
ከምኡ‘ውን ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን እቲ ዓቢ ኣትኩሮ ክግበረሉ ዘሎዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ንጽፉፍ ኣሰራርሓ ቀንዲ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ሰሚናር ብዕምቆት ተረዳዲኡሉን ክሕይል ከም ዘሎዎን ዝተመሓየሸ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ከም ዘሎዎን ብምግንዛብ ኣብዚ መዳይዚ ክነጥፉ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ኣባላት እውን መዲቡ። ብዘይካዚ ብጻይ ተስፋይ ባይረ ነቶም ኣብ ኦዲትን ቁጽጽር ስራሓትን ዝነጥፉ ግን ከኣ ናይ ሕጽረት ናይ ዘመናዊ መሳርሒ ዝነበሮም ብጾት ንምሕጋዝ ሓንቲ ለብቶም ኣበርኪቱ።
ሰሚናር፡ ንኩሎም ዝቐረቡ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርድዳእን ናይ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽን፡ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምቅራብ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ብዝክረ-ሰማእታት ተዛዚሙ።
ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን
25.01.2016