Print this page

ብዘይንጹር ራኢን ፖለቲካዊ መስመርን ዓወት የለን

2016-01-16 10:52:18 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2195 times
Rate this item
(1 Vote)

ቅኑዕ ኣገባብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይሓዘን፥ ንኹሉ ዝሓቁፍ ቅኑዕ ራኢን ፖለቲካዊ ብስለትን ዘይውንን ሕብረተሰብ ከይዱከይዱ ፍልልያት ክጽሕትርን ኣብኡ ክሕባእን እዩ ዝፍትን። ከምኡ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ምትእምማን ስኢኑ ክወናጀልን ምናልባት እውን ክሳብ ዕንወት ናይ ሃገር ከስዕብ ይኽእል ይኽውን። ስለዚ ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ምሕሳብ ዓቕሙ ይኹን ብቕዓቱ ከደልድልን ከበርትዕን ንነፍሱ እውን ሰሪዑ ብምዕቡል ኣገባብ ክመሓደር ናይ ስነፍልጠት ወናኒ ክኸውን ይግባእ።

 

ሎሚ፥ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ብልሽው ምምሕዳር ውልቀ-መለኽቲ ይመሓደራ ከም ዘለዋ እንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ እዩ። እዚ ብልሽው ምሕደራ እዚ ዝፈጥሮ ሃስያ ከኣ ሳዕቤኑ ስደት፥ ድንቁርና፥ ምፍልላይ፥ እዩ። ገለ ካብቲ ካልእ ሰራም ውጽኢቱ ከእ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ነንሓድሕዱ ክጠራጠርን ክጻላእን ነቲ ናይ እምነትን ዓሌትን ምፍልላይ ከም መመኽነይታ ብምጥቃም መሳርሒ ኣብ ምብላሕ ግርጭት ክጥቀመሉ ይርከቡ። ከምኡ እውን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይውንኑ ንኣቕጣጫ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ስነፍልጠት ወጻእን ስነምግባር ዝጐደሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ስለ ዝጎዓዝ ከኣ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ምልኪ ከናዊሕ ምኽንያት ይኸውን።

ኣብ ከምዚ ህሞት እዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ተቓውሞ እውን እንተኾነ ብዙሕ ሽግራት ከም ዘጋጥሞ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ብዓይኒ ጥርጠራ ስለ ዝጥመትን ኣብ ልዕሊኡ እምነት ስለ ዘይንበርን እዩ። እዚ ከምዚ ዝዓይነት እምነት ምጉዳል ከኣ ዓቢ ነቓዕ ስለ ዝፈጥር ናብቲ ዝድለ ዕላማ ንምብጻሕ ብዙሕ መስገድላት ክስግር ኣለዎ።

እዚ ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ዝርከብ ህዝቢ ካብዚ ኣምር እዚ ክሳብ ክንደይ ተላቒቑ ኣሎ? ክሳብ መዓስከ እዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ተተፋኒኑ ክነብር? ልክዕ እዩ ሓደ ሕብረተሰብ ብስነምግባራውን ስነስርዓት ዝመልኦ ፖለቲካ ከካይድ ብቕዓት እንተዘይወኒኑ ካብዚ ዓዘቕቲ ናይ ምርሕሓቕን፥ ምትፍናንን ክወጽእ ወይ እውን ክልወጥ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ዘጥራጥር ኣይኮነን።

እቲ ንኹልና ጐዲሉና ዘሎ ጉዳይ ክንጥምትን ክነስተብህልን ስለ ዘይከኣልና ከኣ እነሆ ነፍሲ ወከፍና ሓልዮትን ስነፍልጥትን ብዘንጸባርቕ ጉዕዞ ክንከይድ ኣይከኣልናን ዘሎና። ኣብ ስነፍልጠት ዘይተመርኰሰ እንኸዶ ጉዕዞ እምበኣር ንናይ ምሕሳብ ዓቕምናን ንገዛእ ርእስና ናይ ምልዋጥ ቅሩብነትን ኣብ ምድኻም ዓቢ ገደ ይጻወት ከም ዘሎ ምርዳእ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ካብ ሓሶት፥ ቅኑዕ ካብ ጌጋ ከምኡ እውን ንስነፍለጠትን ንዘይስነፍልጠትን ፈላሊና ክንጥምት ዘኽእል ፍልጠት ክንድልብ እንተዘይክኢልና ንሽግራትና ፍታሕ ክነቕርብ ኣይክንክእልን ኢና።

ስለዚ ነዚ ሓቀኛ ፍልጠት ዘይምቕሳምና ንገዛእ ርእስና ምፍላጥን ንውሽጥና ተመልኪትና ካባና ዝጐድል ዘሎ ንምርዳእ ዘኽእለና ንጹህ ኣእምሮ ክህልወና ኣይበቓዕናን ዘሎና። እዚ ከኣ ናይ ተንኮልን ቅንእን ግዙኣት ክንከውን ስለ ዝደፋፋኣና ኣብ ሕንፍሽፍሽ ክንነብርን ኣርሒቕና ከይንጥምትን ገይሩና ይርከብ ኣሎ። ኩሉ ሽግራትና ባዕልና ብእንፈጥሮ ጸገም ናብ ፍልልያት ይነቚተና እሞ ከምቲ ብዓረብኛ ዝተመሰለ ‘’እዛ እትራፈሱ ኣስያድ ኣልሓሚር ያ በኸትል ሩኳብ’’ ማለት ዋናታት ኣእዱግ ምስ ዝገራጨዉ ወይ ምስ ዝበኣሱ ዕድል ናይ ተሳፈርቲ’’ ይኸውን እዩ ነገሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ “እንተይ ዳኣ እዩ እሞ ዝግበሮ”? ዝብል ሕቶ ከልዓል ባህሪያዊ እዩ። ንሱ ድማ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሄረይ፥ ሃይማኖተይ፥ ፖለቲካዊ ርኢቶይ፥ ዓሌተይ .... ወዘተ ካብ ካልእ ዝበልጸ እዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ክወጽእ ኣለዎ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ስልጣኔ ዝስፋሕፋሓሉን ምዕብልና ዝረጋገጸሉን ህዝቢ እውን ተሰማሚዑን ተኸባቢሩን ዝነብረሉ ሃውህው ዝፍጠር። እዚ ምስ እነዘውትር ከኣ ነቲ ፋሕ ዝበለ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ተኸፋፊሉ ኣብ ክንዲ ኣብ ነንሓድሕዱ ሕኒን ዝብህሃል ንህዝብን ሃገርን ብዘገልግልን ዘርብሕን ኣቕጣጫ ሒዙ ንኽምርሽን ተላዚቡ ብሓባር ክስርሕን መኽኣሎ።

ንሕና ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለና ደምበ ተቓውሞ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ኢልና ኢና ንቃለስ ዘለና ካብ በልና ድኽመታትና ኣሪምናን ፈሊጥናን ብውልቂ ዝመጽእ ዓወት የለን፡ እንተመጸ ከኣ ስፍሓትን ቀጻልነትን ዘየብሉ እዩ ዝኸውን ዝብል ተረድኦ ክህልወና ይግባእ። ድሌታትናን ምንዮታትናን ካብዚ ዘሎናዮ ሽግርን መከራን ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቕና ሰላማውን ፍትሓውን ቅሳነት ዝመልኦ ናብራ ክህልወና ካብኮነ ናብዚ ገጹ ዝእምትን ኩሉ ዝኣምነሉን የጽለልኒ ዝብሎን ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክህልወና ናይ ግድን እዩ።

ብኣንጻርዚ ዝጠቐስናዮ ሃናጺ መንገዲ ዝረአ፡ ናይ ኣግላልነት ሓሳብን ተግባርን እንተዘይተወጊዱ፥ ንናይ በበይንኻ ጉዕዞ መፍትሒ እንተዘይተረኺብዎ ኣቲ መንገዲ ካብቲ እዚ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ስርዓት ሒዝዎ ዘሎ ኣዕናዊ ጐደና ዝሓሸ ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣነ እምበር ካልእ ቅኑዕ የለን ዝብል ኣተሓሳስባ፥ ከምቲ ናይ መለኽቲ ኣገባብ ኣካይዳ፡ ማለት እንተደለኹም እተዉ ኣነ እየ ገባሪ ሓዳጊ ኣቦኹም ዝዓይነቱ ፈለግ ካብ ሱሩ ከማሓው ይግባእ። ከምኡ እውን እቲ ኣነ ዝደልዮ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ከይበልና፡ ነቲ ናይ ሓባር ድሌት ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ምጉዓዝ ካብ ልቢ ክንቅበል ይግበኣና። ስለዚ ነዚ ኩሉ እነማልእ ቅቡላት ኮይና ብ ሕልና ህዝብና ቅቡል ቦታ ክንረክብ፡ ናብዚ ዘብቅዕን ንጉዳያት ብኩሉ ኩርነዓት ዝጥምትን ሃናጽን ፖለቲካዊ ራኢ ክህልወና ይግባእ።

ድራር መንታይ