Print this page

“ደጊፎም ተሳዕስዕዎስ ዘሎ መሲልዎ!”

2015-06-15 22:10:19 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2725 times
Rate this item
(0 votes)

ዲክታቶር ኢሳይያስ ናብ ሳዑዲ ዓረብ ገይሹስ፡ ናብቲ ኣብ ልዕሊ የመን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝሳተፉ ወተሃደራት ክሰድድ እሞ ዓስቢ ሚልዮናት ዶላራት ክወሃቦ እዩ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ቁሩብ ሰልዲ ለጊስሉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 5 ዓመታት ዝትግበር ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ ክትህቦ እያ ፡ ዝተወሰና ሃገራት ኤውሮጳ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት በቲ ኢሳይያስ ዝርእዮ ዓይኒ ክርእየኦ ጀሚረን ኣለዋ .. ወዘተ ዝብሉ ንጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ዘለዎ መዋጥር ከም ዘውጽእዎ ኣምሲልካ ዝውረዩ ወረታት ክንሰምዕ ወሪሕና። ርግጽ እዞም ዝውረየሎም ዘሎ ተረኽቦታት ሓሶት ዘይኮኑስ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና እውን ክበሃሉ ዝቐነዩ እዮም። እቲ ጉዳይ “እሞ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ሕዱር ሕማም በዞም ዝጠቐስናዮም ምዕባለታት ዝፍወስ ድዩ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን?” ዝብል እዩ።

ናይዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ነቲ ዝሰሓግ ዘሎ ህግደፍ ህይወት ዝሰኹዓሉ ኣምሲልካ ዝቐርብ ወረታት ቀለም ከይነቐጸ እንከሎ፡ እነሆ እቲ ጉጅለ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ፈጺሙ ናብ ዝብል ዝመጣጠር፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸንዐ ሰፊሕ ጸብጻብ ብወግዒ ተገሊጹስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ቦታ ይረክብን ቀልቢ ብዙሓት ይስሕብን ኣሎ። እሞ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣየናይ ምዕባለ እዩ እቲ ገዛእን ሓያልን፡ እቲ ንህግደፍ ትንፋስ ዝሰኩዕ ዝመስል ወረታት ወይስ እቲ ንገበናቱ ዘቃልዕ ብጥንቃቐን ብተሳትፎ ኤርትራውያን ግዳያት ዝተኻየደ መጽናዕቲ? ነዚ ሕቶታት ንምምላስ ንዘይኤርትራዊ ኣካላት ውሱን ግዜ ምውሳድን ምምዝዛንን የድልዮም ይኸውን። ንዓና ንኤርትራውያን ግና ቅድሚ እዚ ብዛዕብኡ ንዛረበሉ ዘለና መጽናዕቲ ምውጻኡ ጉዳይና ኮይኑ ስለ ዝጸንሐን ዘሎን ሓድሽ ኣይኮነናን። ነዚ ሕቶ ንምምላስ ንማተኣሉ ጉዳይ’ውን የብልናን። ንጹር ሓጺርን መልሱ ከዓ “ኩሉ እቲ ምዕባለ ደሚርካ ክረኣይ እንከሎ ነቲ ስርዓት ሓድሽ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘይኮነስ ንጉዕዘኡ ናብ መቓብር ዘቀላጥፍን ኣበስኡ ዘቃልዕን እዩ” ዝብል እዩ ዝኸውን። ምእንቲ እዚ ኢና ድማ ነቲ ውሱን ወካዕካዕ ደገፍቲ ህግደፍ ንምግላጽ “ደጊፎም ተሳዕስዕዎስ ዘሎ ይመስሎ” ዝበልናዮ።

እቲ ወሳኒ እቲ ናይ ደገ ወዘኽዘኽ ዘይኮነስ እቲ ውሽጣዊ ክውንነት እዩ። እዚ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝሰርሕ ስነ-መጐት ዘይኮነስ እንተላይ ንዓና ነቶም ንጉጀለ ህግደፍ ኣወጊድና ብዝሓሸ ስርዓትን ኣተሓሳስባን ክንትክእ እንቃለስ ዘለና ደለይቲ ለውጢ እውን ዝገዝእ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ብመንጽር እዚ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ኣብቲ ናይቲ ኮሚሽን መጽናዕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ገበናት ኣይወጸን። ንሱ እዩ እምበኣር ናይ ውሽጣዊ እንታይነቱ መርኣያ። ኣብዚ ውሽጣዊ መግለጺኡ ዝኾነ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ዘምጸኦ ለውጢ ክሳብ ዘየለ ከዓ ከቶ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ከንቆልቁል እንተዘይኮይኑ ከይክሓውን እዩ። እቲ ብደገ ዝግበረልካ ደገፍን ዝወሃበካ ጽቡቕ ምስልን ግደ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ሃብትኻ ተዝውስኹኻ ኣብ ርእሲ ልብኻ ኸዓ ተዝምዕዱኻ፡” ዝበሃል። በቲ ሓደ ወገን ከዓ ዘይወሳንነት ግዳማዊ ጽልዋ ንምግላጽ “ልቢ ማዕዳ ምሸት ናብ ዋንኡ” ከም ዝበሃል ኣይንረስዕ።

እዚ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ንዓና ንኤርትራውያን ኣሉታዊ ኣካል ህይወትና ኮይኑ ዝጸንሐ እምበር፡ ሓደሽ ኣይኮነን ኢለ ኣለኹ። ጸገምን ወጽዓን ህዝብና ብጉጅለ ህግደፍ ተሓቢኡ ኣብ ክንዲ ዝነብር ብኸምዚ ኣብ ቅርዓት ዓለም ምውጽኡ ግና ቀሊል ኣይኮነን። ምናልባት ነዓና ምስቲ ውሱን ዓቕምናን ልሕሉሕ ናይ ሕድሕድ ዝምድናናን ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ከነቕርቦ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ጻዕርን ምሓተተና። ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝግምቶ ተሓቢኡ ክነብር ግና ባህርያዊ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከዓ ንደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ክብሎም ዝደሊ፡ እዚ ብግዳማዊ ተርእዮታት ንጉጅለ ህግደፍ ኣጸባቢቕካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ፡ ናብ ራህዋ ዘይወስድ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ጉጅለ ዘናውሕ ጥራይ ምዃኑ ክርድእዎ ይግባእ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝቕየር እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ምስ ተወገደ ኣብ ክንድኡ ብሓድሽ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ስርዓት ክመጽእ እንከሎ ጥራይን ጥራይን እዩ። እቲ ቃልሲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምውጋድ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ነቲ ናይ ወጽዓ ባይታን ኣተሓሳስባን ካብ መሰረቱ ምውጋድ እዩ። እቲ ወጻዒ ምስ ተወገደ እውን እቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ናይ ምቕጻልን ሓድሽ ወጻዒ ናይ ምፍራይን ዕድል ከም ዝህልዎ ክንስሕት ኣይግበኣናን። ስለዚ ቃልስና ኣንጻር ወጻዒ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንዲ ኣንጻር ወጽዓ ምቅላስ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ክንፈልጦ ዝግበኣና፡ ድሕሪ ሕጂ ብድሌት ጉጅለ ህግደፍ ዝውሰድ እሞ ድማ ንራህዋ ህዝብና ዘርብሕ ለውጢ ክመጽእ ከምዘይክእል ብሩህ እዩ። ህግደፍ ዝኣልሞ ማእለማ ንዕኡ ዝጥዕሞ ጥራይ እዩ። ምርጭኡን ምርጫ ህዝቢ ኤርትራን ከዓ በበይኑ ጥራይ ዘይኮነስ ተጻራሪ እዩ። ምርጫ ህግደፍ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምኡ’ዩ ናይ ህግደፍ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ “ንግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ክገብረሉ እየ። ናብቲ ብኣዋጅ ዝገለጽኩዎ ናይ 18 ኣዋርሕ ናይ ትምህርትን ኣገልግሎትን ግዜ ክመልሶ እየ” ዝብሉ መብጸዓታት ካብ ዘቃልሕ ሕያሎ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ውሱናት ናብ ኤርትራ ዝገሹ ወጻእተኛታት ዝወሃቦም መምለስ እግሪ ሸፈጥ እዩ። እዚ እውን ስለ ዝተባህለ ክትግበርዩ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ከምቲ እትብሎ ኮይንካ ዘይምቕራብ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ህግደፍ ከምኡ ተዝገብርከ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ዝዕድሚኡን ኣዕሚቑ ዝተተኽለን ጸፋር ጸገማት መተፈትሐዶ? እዚ ግዱድ ውትህድርናኮ ሓደ ካብ መርኣያታት ወጻዒ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ እምበር ናይቲ ጸገም ሱርን መሰረትን ኣይኮነን። ማለት እቲ ናይቲ ወጽዓ ሱርን ጉንድን ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ ሓደ ጨንፈር ሰሊዕካ ምድርባይ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ። ናይ መልክዕ እምበር ናይ ፍረ ለውጢ ዘየብሉ ጠጥዒ ከጨብጭብ ስለ ዝኽእል። ምናልባት ነዚ ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባርነት ጠጠው ተዘብሎ እውን ካልእ መልክዕ ወጽዓ ሒዙ መቐረበ እምበር ምስ ህዝቢስ ኣይዕረቕን ንምባል ዝኣክል’ዩ።

ግደ ሓቂ ንምዝራብ እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ብህይወት የለን። ኣፍ ኣውጺኡ “የለኹን” ክብል ግና ኣይንጽበዮን ኢና። ዘየለኻ ክንስኻ “ኣለኹ’ እምበር” ምባል ክዓ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ዲክታቶራት ባህሪ እዩ። እቲ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ናይቶም ንዘየለ ኣሎ ኢሎም ዝከራኸሩ ኤርትራውያን ደገፍቱን ደጋጊፎም ከሳዕሶዎን ንእስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ብሂጎም መሳርሒ ክገብርዎ ዝደልዩ ሓይልታትን እዩ። ኣብዚ ሓደ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ። ናይቲ ጉጅለ ድኽመት ምናልባት እውን ሞት ብኡብኡ ናይ ተቓወምቲ ብርታዐ ክኸውን ከም ዘይክእል። ናይ ጸላኢኻ ድኽመት ውሱን ፍናን ዝህብ እምበር፡ ቀንዲ ብርታዐኻን ሓይልኻን ብናትካ ጸዓት ጥራይ ዝመጽእ እዩ። እዚ ቁምነገር ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብግቡእ ከነስተማቕርዎን ክሓስብሉን ዝግበኦም መሰረታዊ ሓቂ እዩ።

15 ሰነ 2015

Last modified on Tuesday, 16 June 2015 00:12