Print this page

ኣድህቦና ናብ መልክዕ ዘይኮነ፡ ናብ ትሕዝቶ ይኹን!

2015-03-12 19:36:04 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3264 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ክሳብ ዘለና ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዝረአ ምዕባለታት ሚዛን ክንህብ ዝተለምደ እዩ። እዚ ግድን ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢና ዝረአ ምዕባለ ነቲ ናትና ጉዕዞ ብኣሉታ ድዩ ብኣውንታ ስለ ዝጸልዎ እዩ። እዚ ኣብ ከባቢና ዝረአ ምዕባለ ውጽኢት ብውልቀ ፖለቲከኛታት፡ ብማሕበራት ወይ ብውድባት ዝግበር ምንቅስቓስ ክኸውን ይኽእል። ነዞም ምዕባለታት እዚኣቶም ክንመዝን እንከለና ምስቲ ናትና መርገጽን ፖሊስን ዘለዎ ዝምድና እቲ ቀዳማይ መዕቀኒና እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ምስዚ ሓይሊ’ዚ ወይ ምንቅስቓስ “ከስርሓና ዝኽእል ተኽእሎ ኣሎዶ የለን?” ካብ ዝብል ክነቅል ናይ ግድነት እዩ። ተመኩሮታትና ከም ዝሕብሮ እቲ ዝረአ ፖለቲካዊ ምዕባለ ካብ ናትና ዝተፈልየ እንተኾይኑ ከነዳኽሞ ኢና ንህቅን። ዘሳኒ እንተኾይኑ ድማ ክንቀርቦ ንንቀሳቐስ። ኣብዚ ኣየናይ እዩ እቲ ዝርሕቀካ ኣየናይከ’ዩ እቲ ዝቐርበካ ኣብ ምምዛን እንወስዶ መዕቀኒ “ክሳብ ክንደይ እዩ መሰረታውን ሓላፍነታውን?” ዝብል ሕቶ ምርኣዩ ኣዝዩ ኣድላይን ካብ ላህመታዊ ፍርዲ ዘድሕንን እዩ።

ኩልና ከም ዘይንስሕቶ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ተርእዮ ከመይነት መምዘኒ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ክኸውን እዩ ዝግበኦ። ሓደ ሓይሊ ኣብቲ ንምስዓሩ ዝቃለሶ ኣካል ማለት ከም ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ተመኩሮና፡ ዘለዎ ገምጋም ሓደ መምዘኒኡ እዩ። እኳደኣ መሰረታዊ መምዘኒ። ምኽንያቱ እቲ ቀጻሊ እስትራተጂ ኮነ ሜላ ናይ ቃልሲ ኣብዚ ሚዛንዚ ክምርኮስ ናይ ግድን ስለ ዝኸውን። ድሕሪኡ ዝመጽእ ካብዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሚዛን ተጸሚቑ ዝወጽእ እቲ ውድብ ወይ ሰልፊ ንከዕውቶ ዝሕንጽጾ መደባትን ከም መዕወቲ ዝኽተሎ ናይ ኣፈጻጽማ ስልትታትን እዩ ዝኸውን። ነዚ ከተግብር ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝምዘዝ ፈጻሚ ኣካል ወይ መሪሕነት ናይቲ መደባቱ ዝሰርዐ ፖለቲካዊ ትካል እውን መሰረታዊ’ኳ እንተዘይኮነ ባህርያት ናይቲ ፖለቲካዊ ትካል ኣብ ምምዛን ብጽሒት ኣይህልዎን ማለት ኣይኮነን።

ስለዚ ኣፍካ መሊእካ “እዚ ውድብዚ ወይ እዚ ሰልፊ’ዚ ወይ እዚ ግንባርዚ ምናልባት እውን ብውልቁ ዝነጥፍ ፖለቲካዊ ባእታ ከምዚ እዩ ኣደቡ” ንምባል ነዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ መዕቀንታት ግዜ ሂብካ እሞ ብጥንቃቐ ምምማይ የድሊ። ኣብዚ ብስምዒት ብሃታሃታ ኣብ ውሽጥኻ ካብ ዝጸንሐ ዘይቅዱስ ጥርጣረ ነቒልካ፡ ብፍላይ ድማ ካብ መልክዕ ናይቲ ንክፈጽም ዝተመዘዘ መሪሕነታዊ ኣካል ጥራይ ነቒልካ ዝወሃብ ደምደምታ ላህመታዊ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘኸትሎ ሳዕቤን ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋንዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓይሉ ከይጥርንፍ ሕማም ርእሲ ኮይነምዎ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ሕጽረታት ሓደ ዘይተጸንዐ ስግኣት ዝወለዶ ላህመታዊ ፖለቲካዊ ፍርዲ ምሃብ እዩ። ናይዚ መንቀሊ ድማ ንተረኽቦታት ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ፖሊስን ናይቶም ሃንደስቱ ኣተሓሳስባን ምምርኳስ፡ ብናይቶም ከትግብርዎ ዝተመዘዙ ኣካላት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ቦታዊ መበቆል ወይ ናይ ቃልሲ ድሕረባይታ እንዳተመስረትካ ዝወሃብ ዘይብሱል ፍርዲ እዩ። እዚ ማለት ንሃይማኖት ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ንሓደ ፖለቲከኛ ወይ ናይ ሓደ ውድብ መሪሕነት፡ ብዛዕባቶም ብሃይማኖት ዝፍለይዎ ኣካላት ኣይሓስብን እዩ ካብ ዝብል ግጉይ መንቀሊ ተንሲኣካ፡ ንሱ ክስታናይ እንተኾይኑ ንውድቡ ከም ናይ ክርስትያን ወይ ኣስላማይ እንተኾይኑ ንውድቡ ከም ናይ ኣስላም ኣስላም ገይርካ ምውሳድ ኣዝዩ ግጉይ እዩ። ሓደ ኣካል ብኣባልነት ንዘለዎ ግንባር ወይ ልፍንቲ በቲ እምነቱ መሰረት ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት መእከቢ ጌርካ ናይ ምውሳድ ሽኩሽኳ ንደንበ ተቓውሞና ናብ ሃፍ ዝበለ ገደል ሒዝዎ ከይጸድፍ ኣብ ዘስገኣሉ ደረጃ ኢና ዘለና። እምበርዶኸ ኣስላማይ ኮይኑ ብጉዳይ ክርስትያን እውን ዝገደስ፡ ወይ ኣስላማይ ኮይኑ ብጉዳይ ክርስቲያን እውን ዝግደስ ኤርትራዊ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለና እዩ? በቲ ካልእ ወገንከ ወይ ክርስቲያን ክንሱ ንክርስቲያን ዝውጽዕ፡ ወይ ኣስላማይ ክንሱ ንኣስላም ዝጭቁን ኣካል ከም ዘሎኸ ንርዳእዳኦ ኣለና?። ኣብዚ’ባ ነስተውዕል ኣኺሉና ዲና ነቲ ንኩልና ብማዕረ ዝብጸሓና፡ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ኣህሲስና ብሃይማኖታውን ወገናውን ጸቢብ ስምዒት ክንድውኖ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣዕናዊ ማእለማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቲ መልክዑን መሰረት ብርታዐኡን ዝነበረ ብዙሕነቱ ናብ ዘይምትእምማን ገጹ ማዕቢሉ እንዳበልና ስግኣትና እንገልጽ ብዙሓት ኢና። ንሕና እቶም መሪሕ ግደ ክንጻወት ዝግበኣና ኣካላት ተቓውሞኸ፡ ኣበየናይ ደርጃ ኢና ዘለና። ንሕናው ከምቲ ናይ ህዝቢ ዝበልናዮ ዲና ኣብ ሕድሕድና ምትእምማን ኣጥፊእናስ ወይ እቲ ጸገም ኣብቲ ህዝቢ ኮይኑ ኣባና ደሓን ኣሎ ኢና እንብል። ኣነስ ሓደ ሓደ ግዜ እንብሎ ስግኣታትን ምጥፋእ ምትእምማንን ናትና ኮይኑ ብህዝቢ ነሳብቦ ከይንህሉ ዝብል ስኽፍታ’ዩ ዘለኒ። ከምዚ “ንቆልዓ ክብላ ይበልዓ” ዝበሃል። ስለዚ ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምምዕዳውና ብደረጃ ውድባት ይኹን በብውልቀ ነንገዛእ ርእስኻ ካብ ምፍታሽ ንንቀል። ኣብ ጽኑዕ ባይታ ረጊጽካ ኣብ ህዝቢ ኣውንታዊ ጽልዋ ናይ ምሕዳር ሓላፍነት ከም ዘለና ከዓ ኣይንዘንግዕ።

ስለዚ ብዝሕ ዝበሉ ኣብ ክርስትና ዝኣምኑ ፖለቲከኛታት ተኣኪቦም ክንሰምዕ እንከለና፡ እቶም ኣብ ምስልምና እንኣምን፡ ወይ ብዝሕ ዝበሉ ኣብ ምስልምና ዝኣምኑ ክላዘቡ እንከለዉ እቶም ካልእ እምነት እንኽተል ልብና መሊቛ ተቐዳዲምና ናብ ምልጣፍ ወርሕን መስቀልን ክንጐዪ ኣይግበኣናን። ህድእ ኢልና ነቲ ደጋዊ ናይ ተጋባእቲ፡ ናይ እምነት ይኹን ናይ ኣውራጃ መልክዕ ገሊህና ንትሕዝቶ ናይቲ ዘልዓልዎ ዛዕባ ትንፋስና ውሕጥ ኣቢልና፡ ካብ ናይ ጥርጣረ ማእሰርቲ ውጽእ ኢልና ክንመዝኖ ይግበኣና። ድሕሪኡ ነቲ ዝተባህለ ክንንእድ ኮነ ክንነቅፍ እንከለና መዕቀኒና ከባቢያውን ሃይማኖታውን ምምስሳልና ወይ ምፍልላይና ክኸውን ኣይግበኦን። በቲ “ዋላ ወዲ ኣውራጃይ ወይ ወዲ ሃይማኖታይ ኣይኹን ንረብሓይ ክሓስብ ይኽእል እንድዩ” ዝብል እምነትና ንቓለዓለም ዘይኮነስ ካብ ልቢ ንሕልናና ከነእምኖ ይግበኣና። ኣነ ኣብዚ ናይ ምክእኣልን ላህመታዊ ፍርዲ ዘይምሃብን ኣሰራርሓ፡ ህዝብና ልዕሌና እንተዘይኮይኑ ትሕቴና ከም ዘይኮነ እየ ዝኣምን።

ደሓር ሓደ ጉዳይ “ቀርማሕ” መምስበለ እቲ መንቀሊ ከይተፈልጠ ህዉኽ ፍርዲ ካብ ምሃብ ክንጥንቀቕ ይግበኣና። እገለን እገለን ዝበሃሉ ኣስማቶም ናይ ሓደ ሃይማኖት ኣመንቲ ምዃኑ ዘመልክት መሓመዳት ወይ ገረዝግሄራት ክእከቡ እዮም ምስ ሰማዕና ጌና ከይተኣከቡ ንሕና ኣካል ናይቲ ዝሕሰብ ኣኼባ ዘይምዃና ስለ ዘረጋገጽና ጥራይ፡ ባዕልና ናይቲ ኣኼባ ውጽኢት ደሪስና ንምቅዋሙ ኣእምሮና ንስሕለሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ። ንምዃኑ ወዲ ሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት እንተላይ ኣብ መዳይ ፖለቲካ ኣብ ሓደ መድረኽ ዝሕዞ መርገጽ ማዕባሊ እምበር ኣብኡ ነቒጹ ዝነብር ከምዘይኮነዶ ንኣምን። ከም ውጽኢት ናይቲ ቀደም ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ብደም ዝጠልቀየ ጽልኢ፡ ክሳብ ሎሚ ብታሪኽ ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲርና፡ እቶም ተሓኤ ዝነበርና ካብቶም ህግሓኤ ዝነበሩ፡ ወይ እቶም ህግሓኤ ዝነበርና ካብቶም ተሓኤ ዝነበሩ ጽቡቕ ዘይንጽበ ኣብ ናይ ምጥርጣር ዓለም ሰንፈለል ንብል ሓደሓደ ሰባት ምህላውና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ሎሚ ንሓና ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ብሰንኪ በቲ ክንጐዓዞ ዝግበኣና ጐደና ዘይምጉዓዝና፡ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ረኺቡ ዋጋ ዘውጽእ ሓሳብ ከነመንጭው ዘይምኽኣልና ውጽኢት ናይ ድኽመታትና እዩ። ኣበይ ደርጃ ከም ዘለና ከዓ ኣፍ ኣውጺእና ምዝራቡ እንተዘይከቢዱና ብውሽጥናስ ንርእዮ ዘለና እዩ። ብሓጺሩ መስመራ ብዝሰሓተት ባቡር ምድሪ ኣብ እንምሰለሉ ናይ ሰንፈላል ደረጃ ኢና ንርከብ ተዝበሃል ምግናን ኣይመኾነን።

ኣብ ኤርትራ “ነጻነትና ብመስዋእቲ ደቅና መጺኣ” ዝብል ተዘይኮይዩኑ፡ ንኣስላማይ ቅድሚ ኣርስትያናይ ወይ ንክርስትያናይ ቅድሚ ኣስላማይ ዝሰርዕ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ንኣውራጃ፡ ንናይ ቃልሲ ድሕረባይታ፡ ንዕድመ ዝምልከት እውን ከምኡ። ኤርትራውያን ኣደታት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣደ ኩሉ ኮይነን ከዕንግላ ዘርኢ እምበር ዝፈላሊ እምነት ከም ዘይነበረን ተጋደልቲ ዝነበርና እንምስክሮ እዩ። ነዚ ገዲፍካኸ ተጋዳላይ “ ንስኻ ጽናሓ ኣነ ክሓልፍ” ክበሃሃል እንከሎዶ፡ ሃይማኖት ኣውራጃን ካለኦት ከፋፈልቲ እምነታት ቦታ ነይርዎም ድዩ። እስኪ ሽዑ ዝነብርኩም ቃልኩም ንስማዕ። ኣዴታት ከበሳ ነቲ ናይ ደቂ መታሕት ነዊሕ ናይ ገጽ ጥባሕ ዝህበኦ ጸዋግ ትርጉም ኣይነበረንን። ናይ መታሕት ኣዴታት እውን ነቲ ናይ ደቂ ከበሳ ዘይተተለመ ምዕጉርቲ ዝህብኦ ትሕተ ግምት ኣይነበረንን። ናይ ኩለን ኣደታት ድምጺ “ቅድሜኹም ይስጠሓኒ ዞም ደቀይ፡ ውፈሩ ደሓን እተዉ” ዝብል ብንብዓት ዝተሰነየ በቝባቕ ድምጺ እዩ ነይሩ። ሎሚ ንሕና ልዕሊተን ለወሃት ኣደታትና ምዃን’ሞ ይጽነሓልና፡ ነዚ ናታተን በቝባቝ ባህሊ ዓቂብና ከነቐጽሎ ዘይምብቃዕና የሕዝን።

ንቅንፍዝ ኣሻዅ ምዃና ብምርዳእ “ንደቅኺ ከመይ ጌርኪ ትሓቝፍዮም?” ምስ ተባህለት “ከከም ገጹ” በለት ክበሃል እንዳሰማዕናዮ ስለ ዝዓበና ብዛዕባ ብኸመይ ምስ ፍልልያትካ ብሓባር ምንባር ከም ዝከኣል ብዙሕ ቁምነገር ክንመሃር መተገበኣና በሃላይ እየ። እስኪ ምስዚ ናይ ሎሚ ዘሻቕል ሃለዋትና ነንገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ ቅንፍዝ ኣቐሚጥና ንፈትሽ እሞ ክሳብ ክንደይ ንጉዳያት ከከም ኣመጻጽኣኦም ንምምሕዳር ዘኽእል ጸዋር ቆርበት ኣለና ኢልና ንሕሰብ። መምስ ሕልናና ከዓ ንላዘብ። ሎሚ ናብ ዕዳጋ ሒዝናዮ ንወርድ ዘለና ዜና፡ ተባኢስናን ተፈላሊናን ሞዴሉ ከም ዝሓለፈ ኣቕሓ ገዛኢ ከም ዝስእንዶ ንርደኦ ኣለና። በዚ እንተቐጺልና ከዓ ጠቕሊልካ ካብ ዕዳጋ ናይ ምውጻእ ሓደጋ ከም ዘኸትል ኣይንዘንግዕ። ንዓና ብዘየዕግበና ናይ ቃለዓለም ኣካይዳ ንካለኦት ከነዕግብ ምፍታን ኣብ ዘየድሚ ግዜኻን ጉልበትካን ምብላይ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ካብዚ ኹሉ ንምድሓን “ኣድህቦና ናብ መልክዕ ዘይኮነ፡ ናብ ትሕዝቶ ይኹን”

12 መጋቢት 2015

Last modified on Thursday, 12 March 2015 20:38