ብዕለት 28/02/2015 ማሕበር መኣዲ ልዝብ ኤርትራውያን ኣብ ስቶኮልም ብዘሎዎ ለዋህን ሓላዩ ንቁሕ ተበግሶ ንኣብ ሃገር ሱዳን ከሰላ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ንሃገራዊ ተጋድሎ ብዉግእን ብባህርያዊ ጉድኣት ዝሰንከሉ ንምርዳእ 5000 ክራውን ሓገዝ ኣወፍዮም። ነዚ ኣገዳሲ ወፈያ ኣደ ወንበር ማሕበር ኤርትራውያን ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ኢሳቅ ተቀቢላቶ። እዚ ማሕበር መኣዲ ልዝብ ኤርትርውያን ኣብ ስቶኮልም ብተወሳኺ ሰናይ ንጥፈታቱ ንሓደስቲ መንእሰያት ኣሕዋቶም ኣብ ምትብባዕ ቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብን ከም ዝነጥፉ ካብ ስቶኮልም ዝመጸና ሓበረታ ገሊጹ።