ኣርዓዶም በርሀ
ኣብ ባህልና ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ክገብሮ ከም ዝኽእል መሲሉ ክቐርብ እንከሎ ትግረም እሞ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ኢኻ እትብሉ። ኣብ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ “ተረቲዕና ከይብሉስ እግባይ ይብሉ” ዝበሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እዚ ክብል እንከለኹ “መሲልካስ እንታይ ኣምጻእካ” ክበሃል ምዃነይ ኣይሰሓትኩን። ስለዚ ነዚ ተተርኢሰ ዝብሎ ስለ ዘለኒ እየ ናብዚ ምስላታት ዘድሃብኩ። ሓንቲ ምስላባ ክደግም “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” እትብል። ሕጅስ ምስላታት ይኣኽሊ እሞ ናብቲ ዘምጸኣኒ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መሓትት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክኣቱ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ወረዳ ዓረዛ ምክትል ወረዳ ኣፈልባ እትርከብ “ኣይቀበጹ” እትበሃል ቁሸት ኣላ። ሰለምንታይ እዚ ስም ከም ዝተዋህባ፡ ምስ ዝርዝሩ ደቅቲ ከባቢ እዮም ዝፈልጥዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ግና ምስ ኣብ ግዜኡ ዝሓለፈ ጉዳይ ጭልም ምባል ዝዛመድ እዩ።
ኣቶ ኢሳይይሳ ተስፋ ዘለዎ ዘረባ ከምጽእ ከም ዘይክእል ካብ ዝረጋገጽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ንሱ ግና ወዮ ከምቲ “ኣየ ኣለኹ ማለት” ዝበልናዮ ግዲ ኮይንዎ መዓልቲ ቆጺሩ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ መዓልቲ ነጻነት ሃለው ምባሉ ኣይገደፈን። ካብዚ ውሽጡ ተሓይኹ ተወዲኡ ደጊኡ’ውን ዘሰንብድ ሰብኣይ፡ ሓድሽ እሞ ድማ ኣውንታዊ ሓሳብ ክመጽእ ዘይትግምቶ ክነሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኮንደኾን ብዝብል ሰዓት ቆጸራ ኣኽቢሩ፡ ክሰምዖ ምጽባዩ ነክዩ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ኣነ እውን ሓደ ካብኣቶም ዝተጸበይዎ ስለዝኾንኩ ንዕኡ ክሰምዕ ካብቲ ናይ ድቃሰይ ግዜይ ክልተ ሰዓት ተለጢጠ። ንዛንታ “ኣይቀበጹ” ካብ ዝደገሙ ድማ ሓደ ኮይነ። እንተኾነ ሰባት ሰሚዖም ከምቲ ኢሳይያስ ዝበሎ ዘይኮነስ ከምቲ ዝደልይዎ ሕብርታት ቀቢኦም ካብ ዝሕብሩኻ ባዕልኻ ምስማዑ ስለ ዝምረጽ ምስማዐይ ዳርጋ ኣየጠዓሰንን። ንግሆ ምስ ከማይ ነቲ ቃለ መሓትት ዝሰምዕዎ ኣካላት ምስ ተራኸብና ከዓ “ናይዚ ሰብኣይ ቃለ መጠይቕ ዓጀውጀው እምበር ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን” ኣብ ዝብል መድምደምታ ክንበጽሕ ግዜ ኣይወሰደልናን።
ካብቲ ዝበሎ ምስ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ዝዛመድን ዘዛርብን ስለ ዝሰኣና ዕላልና ናብ ኣከዳድናን ኣካላዊ ኩነታትን ናይ ኢሳይያስ ከዘንብል ግድን ኮይኑ። ኣቀማቅማ ጨጉሪ ርእሱ ተመዛቢሉ፡ ንገጹ ማዳ ዓንድሪሉ፡ ብኣካዳድናኡ ጀልፊፉ ስለ ዝተራእየ፡ ናይዚ ኩነታቱ ምኽንያት ንምግማት፡ መንሽሮ እዩ ሓሚሙ፡ ኩሊቱ ተቐይሩ እዩ፡ ጠንቁ ክቱር መስተእዩ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ተዓዘብቲ ግምታት ይቐርቡ ኣለዉ። የለን እቲ ኣብ ገጹ ዝረአ ዘሎ ማዳ ዘይኮነስ ሰኺሩ ምስ ወደቐ ዝገደፈሉ በሰላ እዩ ዝብሉ እውን ሰሚዐ። እዚ ግምታት እዩ። ብሓፈሻ ሕማቕ ከም ዘሉ ግና ኩሉ ዝረኣዮ እዩ። እንተ’ቲ ሓቐኛ ምኽንያት ናይ ምጉስቛሉ ግና እግዚኣብሄር ዋንኡ። ሓደ ሰብ ደጋዊ መልክዑ ከምዚ ናይ ኣቶ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ግና ጠቓሚ ሓሳብ ዘመንጩ እንተኾይኑ “ ገጽ ኣይትርአ” ኢልካ ትከላኸለሉ ኢኻ። ንሱ ግና ውሽጡ እውን ካብ ደጊኡ ከም ዝኸፍእ ካብቲ ተጻዒሩ ዘውጸኦ፡ ክሓብኦ ተፈተነ ዝስዕሮ ዝነበረ ቃላት ተረዲእናዮ ኢና።
ብዛዕባቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምን መጻኢ ዕድሉን እንተተሓተስ ጉልባቡ ቀሊዑ፡ጐልሓጥሓጥ እንዳበለ፡ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ፡ “እቲሰነድከይተኣወጀዝሞተእዩ።” ኢሉ ነቶም ውሽጡ ከይፈለጡ ንኢሳይያስ ንክከላኸሉ፡ ንዘይምትግባር እቲ ቅዋም ምኽንያታት ክኹምሩ ዝጸንሑ ግሩሃት እቲ ሰቲርዎ ዝጸንሐ ሓቂ ደርጒሕሎም። ነዓና ግና እቲ ሓድሽ ካብ ኣፉ ምውጻኡ ተዘይኮይኑ እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጡ ጠኒስዎ ዝጸንሐ ምዃኑስ ዘይተጸበናዮ ኣይኮነን። ኩሉ ነገር እንተላይ ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። እቲ ዘይተርፍ ጉዕዞ እምበኣር ከከም ባህሪ ናይቲ ተጐዓዚ ገሊኡ ናብ ልምዓት እዩ፡ ገሊኡ ድማ ናብ ጥፍእት። ብናትና ሚዛን ጉዕዞ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንቑልቁል እዩ ዝንህል ነይሩ። እዚ ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ እቲ ብሰንኪ መሪሕነት ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ህውቱት መነባብሮ ዝተረጋገጸ እዩ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና “ ሰማዒኸ እንታይ ይብለኒ” እኳ ከይበለ “ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።ኣካይዳናንፖለቲካዊብስለትናንኣማዕቢልናንብዙሕነገርተማሂርናንኢና።” ክብል ሰሚዐናዮ። ከምዚ ምባሉ ንእዝነይ ምእማን ስኢነስ ንካለኦት ምስ ሓተቱ’ውን “እወ ሓቅኻ ከምኡ እዩ ዝበለ” ምስ በለ፡ ወዮቲ ናይ ቀደም ሃተፍተፉ ተሓዲሱኒ “ደጊም ቶባ” ክብል ተገዲደ። በዚ ተዝውድእከ፡ ነቲ ብውልቃዊ ውሳነኡ ብናቱ ምሩጻት ሰባት፡ ውድድር ኣብ ዘየፍቅድ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሜዳ ባዕሉ ነዲፉ ባዕሉ ዘጽደቖ ናይ 1997 ተወሊዱ ዘይተጠመቐ ቅዋም “መንነዲፍዎ? ከመይገይሩተነዲፉ? ናበይገጹእዩ? ኣብዝብልዛዕባኣብ’ዚ 15 ዓመትብዙሕነገርተማሂርናኢና።” ከምቲ ንሱ ዝብሎ ሓድሽ ቁንቁኛ ኣምጺኡልና። እዚ እሞ ድማ ምስላታት ደኣ ኣብዚሐልኩም እምበር “ባዕላ ሰቒላቶስ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶስ በሓቘ” ዘብል እዩ።
ብዛዕባ ዓለማዊ ኩነታት፡ ብዛዕባ ጠንቂ ማዕቀብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ልምዓት መደባቱ፡ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሃገራት …… ወዘተ ተሓቲቱ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ካብ ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ፡ እሞ ድማ ንሃለዋት ኤርትራ ብደረጃ መራሒ ካብ ዝፈልጣ ሰብ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ብሓላፍ መንገዲ ድረጃ እውን ካብ ዝፈልጣ ሰብ እትጽበዮ ኣይነበረን። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ወዮ “መራሒ ኤርትራ” ተባሂሉ እንድዩ መድረኽ ተፈጢሩሉስ ተኾዲጩ ከይሓፈረ ደርጒሕዎ። ብዛዕባ ዘየሎ ግና ድማ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ጉዳያት ይዛረብ ከም ዝነበረ ግና ካብቲ ናይ ኣዒንቱ ጐልሓጥሓጥን “ዳሕራይ ክንምለሶ ኢና” ዝብል ሃዳሚ ስልቱን ምርድኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ብዛዕባዚ ጉዳይ ቃለ መጠቕ ኣቶ ኢሳይያስ ከነዕልል እንከለና እዚ ሰብኣይ ጽቡቕ ናይ ምግባርን ሓቂ ናይ ምዝራብን ዓቅሚ እንዳሃለዎ እዩ “ኮነ ኢሉ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝብሉ ኣሕዋት ረኺበ። ኣነ በቲ ጽቡቕ ይዛረብን ይገብርን ከም ዘየለ ምእማኖም ንኢደዮም። ነቲ “ከጸብቕ እንዳኸኣለ እዩ ዝጽይቕ ዘሎ” ዝበልዎ ግና ኣይተቐበልኩዎምን። ምኽንያቱ ኣቶ ኢሳይያስ ድሕሪ ሕጂ ዝሓበኦ ጽቡቕ ሓሳብን ናይ ምትግባር ዓቕምን ከም ዘየብሉ ዕጉብ ስለ ዝኾንኩ። እቲ ዝርካቡ ሓሳቡን ዓቕሙን እቲ ክንሰምዖ ዝቐነና ሓሶትን ዕንወትን ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ።
እስኪ ንተዓዘብ፡ እዚ ሰብኣይ ከይሓፈረ፡ ማሽነሪ ውሒዱና እምበር ኤርትራ ንምልማዕ ዘኽእል ዝሰልጠነ ምሉእ ዘይጉዱል ሓይሊ ሰብ ኣለና ክብል እንከሎ፡ ብዓብይኡ ንዕኡ ንዓናውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ኮይኑ ኣይስመዓኩምን። ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ተዓጽዩ ዝርካቦም ተመሃሮ ኣብ ሳዋ ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ እንርዳእ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 500 መንእሰያት ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ከም ዘለዉ እንፈልጥ እኮ’ዩ ዲክታትር ኢሳይያስ ከምዚ ዝብለና ዘሎ። ወረ ነቲ እንዳንቀጥቀጠ ነተን ተጻሒፈን ዝተዋህበኦ ሕቶታት ዝሓቶ ዝነበረ ጋዜጠኛ ነታባይስ ተኣምራታዊ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ንምርኣይ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ቆጸራ እዩ ሂብዎ ዘሎ። ንከምዚ ዓይነት እንዳኸፈአ ዝመጸ ናይ ብደዐ ኣበሃህላኡ ኣቲ ቀደም “ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ” ኢና ንብሎ ኔርና። ናይ ሎሚ ግና ካልእ ሓረግ እንተዘይረኺብናሉ በቲ ናይ ቅድም ኣበሃህላ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንሱ ካብዚ ኣበሃህላ ናብ ዝዓሞቐ ጽላለ የንቆልቁል ስለ ዘሎ።
ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቦም ናይ ምምላስ ድሌት የብልምን። ክምለሱ እንተደለዩ እውን መምለሲ ምንገዲ የብሎምን። ኣቲ ጻዕሪ ነቶም ብሓሳዊ ስብከቱ ተሰሊቦም ምስኡን ጉጅለኡን ናብ ጥፍእት ዝጐዓዙ ዘለዉ ናይ ለውጢ ተረባሕቲ ወገናት ከተድሕን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኢሳይያስ ከም ኩሎም ዲክታተራት በይኑ ኣይኮነን ዝጽለል ዘሎ። ምስኡ ሓቢሮም ናብ መቓብር ዝወርዱ፡ ዝሓዝካዮ መንገዲ ቅኑዕ እዩ እንዳበሉ፡ ዘስክርዎን ዘሻድንዎን ኣካላት ክህልዉዎ ናይ ግዳን እዩ። ካብዚኣቶም ሓደ እዩ ኢልካ ክትወስዶ እትኽእል ሓደ ኤርትራዊ እየ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ህ.ግ.ደ.ፍታሪኽህዝቢኤርትራአዩ።ህላወኤርትራምስህላወህ.ግ.ደ.ፍዝተኣሳሰረአዩ።ዝኮነሓይሊንህ.ግ.ደ.ፍዝጻባአንታሪኽህዝቢኤርትራናይምድምሳስድልየትንሕልምንዘሎዎአዩ።”ንዝበሎ እንተ ኣስተባሂልና እዚ ዕኑድ ሰብኣይን መዳመቕቱን ናበየናይ ጸድፊ የምርሑ ከም ዘለዉ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እምበኣር ወዮ ደኣ ርኢኻን ሰሚዕካን ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ኮይኑና ንዛረበሉ ኣለና እምበር እዚ ብዱዕ ኣበሃህላታት ናይ ኢሳይያስ ሓድሽ ኣይኮነን። ትንፋሱ ክሳብ ዘላ’ውን ቀጻሊ እዩ። ደጊም ቀዳምነትና ናቱ ጸሓይ ዝወቐዖን ዓለም ዝፈለጦን ኣበሳ ምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ብተግባር ዝሓሽካ ምዃንካ ምርግጋጽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ ንብል።
6 ጥሪ 2015