EPDP News

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ (ግምት)፡ ብ6 ጉንበት 2024 ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን፡ “ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ኮይኑ ወጊኡኒ” ዝበል ንዘቕረቦ ክሲ ብትሪ ኮኒንዎ። እቲ ናይ ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምዚ ዝኣኣመሰል ክሲ ምቕራቡ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንምትሓዙ ዝተሃንደሶ መሰረተ ኣልቦ እዩ ኢልዎ።

እቲ መግለጺ በቐዳምነት ህወሓት ዝእዝዞ ስሩዕ ሰራዊት ዘየብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብኻለኣይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብተግባር ዝተፈተነን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ሕውነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተኸፍተ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ካለኣይቲ ሃገሩ ሱዳን ዝወሓዘሉ ምኽንያት እውን ዘርዚሩ። ህዝቢ ሱዳን ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ብደሆታት ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ንምቕባል ንዘርኣዮ ልግስን ተገዳስነትን ጠቒሱ ድማ፡ ብመንጽርዚ ትግራይ ጉዳይ ሱዳን ንምግዳድ ኢዳ እተእትወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣስፊሩ።

ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳዩ ዘውረደሉ ዕንወትን ጉድኣትን ካብኡ ንላዕሊ ዝርደኦ የለን ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ክልቲኦም ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ክንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዝጽመዱ ናብ ዘተ ክቢ ጠረጴዛ ክመጹ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ውግእ መቕጻል መፍትሒ ዘየምጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ሳዕቤን ከም ዘጋድዶ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወድእታ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡  በቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ካብ ናይ ዲረክተር ጀነራል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓላፍነት ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ምስ ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎምን፡ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆምን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝጸንሐ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ናይ ምርካቦም መሰል እገዳ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘውጸኦ መግለጺ እዩ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓልፊ ገንዘባዊ ጉድያት ህግደፍ ሓጎስ ገ/ህይወት ወልደኪዳንን ኣብ ዝርዝር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘይፍቀደሎም ተደለይቲ ባእታታት ከም ዘእተዎም ይዝከር።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ካብ 14 ጉንበት 2024 ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ንደሓር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራውያንን ነበርቲ ኤርትራን  ስሩዕ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብ ዝሓበረሉ ዜና እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ እዚ ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓድሽ ኣውጅ ቪዛ፡ ብመጽርቲ ኣብ መጎኦም ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ ግዜ ምክሳስ ክቐበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝተፈልጠ የለን።

 ክቡራንን ክቡራትን፡ እነሆ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ክርስቶስ  2024 ናይ ዮሃና መልእኽተይ ኣመሓላልፈልኩም። ብፍላይ ኣብ ጾም ዝጸናሕኩም  ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ድማ መላእ ኤርትራውያን፡ “እንኳዕ  ጾመ-ልጓም ፈቲሑ፡ ኣብጻሓኩም ኣብጻሓና” እናበልኩ  ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም።

በዓል ትንሳኤ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒርና፡ ራህዋ ናብ ዘምጽእ፡ ውግእን ወረ ውግእን፡ ስደትን ምክልባትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝፍጠረሉ ክኾነልና፡ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት   ደጊመ  አመሓላልፈልኩም።

ኣብ መወዳእታ፡ ጾመ-ኣርበዓ ብሓያል እምነትን ጸሎትን ተዛዚሙ፡ ናብ ምኽባር ትንሳኤ  እንቋዕ ኣብቅዓና እናበልኩ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ   ዮሃና እብለኩም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

5 ጉንበት 2024

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝርከብዎ ጉጅለ 18 ሃገራት ምዕራባዊ ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ፡  ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ብሓባር ጸዊዑ። ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ 3 ጉንበት ዓለምለኸ መዓልቲ  ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ምዃኑ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ (Addis Abeba)  ኣፍሊጣ።

መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕላው “ናጻነት ፕረስን መሰል ናይቶም ምእንቲ ሓቂ ዝቃለሱ ጋዜጥኛታትን መዲያን’ እተዘኻኽር ምዃና ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መሰል ምዝራብን ፕረስን ክዕቀቡ ዝግበኦም መሰረታዊ መሰላት ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቶም  መግለጺ ዘውጽኡ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ስረሖም እናሃለዉ ከም ዝእሰሩ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ንመሰል እቶም እሱራት ከም ዝሕለቑን  ጋዜጠኛታት ብናጽነት ዝጽብጽቡላ ናጻ ዓለም ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ከም ዝበሉን ተሓቢሩ።

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ትዝከር ዘላ፡  ኣብ ዝርዝር ናጻ ፕረስ ተንቆልቁል ኣብ ዘላትሉ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም ለኸ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ”  ኣብዚ እዋንዚ 15 ጋዜጠኛታት ኣብ ግቡእ ስረሖም እንከለዉ ብምእሳር፡ ካብ 180 ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 መበል 114፡ ኣብ 2023 መበል 131 ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ናብ መበል 141 ምውራዳ በዚ ድማ ሓንቲ ካብተን ጋዜተኛታት ብምእሳር ዝፍለጠ 3 ሃገራት ሳብሳህራን ምዃና’ውን ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ፕረስ ካብቲ ዝነበረቶ ብራኸ መመሊሳ ትወርድ ዘላ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን  በብግዜኡ ዝምዕብል ዘሎ  ሕድሕድ ውግኣት ምዃኑ እቲ በቶም ዲፕሎማሲ ጉጅለ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘካኺሩ።

ኤርትራ ኣብ 2023፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ “ንነዊሕ ግዜ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ንዝያዳ 20 ዓመታት ናጻ ፕረስስ ብምእጋድን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ዘየብላ ሃገር” ተባሂላ ከም ዝተገልጸትን ድሕሪኡ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይፍለጥ።

.

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ(ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን እተጸውዐ ኣኼባ ኩሎም ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ናይ’ተን ጽላል ዘቖማ ሰለስተ ውድባት ተኻፊሎም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ ብሓፍትና ተጋዳሊት ኣድያም ተፈራን ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝሃብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ድሕሪ ምኽፋቱ፥ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፥ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ልፍንቲ ንምቛም ዝተኸደ ጒዕዞን ዝተሳለጡ ዕማማትን ብዝርዝር ገሊጹ።  ብድሕር’ዚ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ነቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምስጋን፥ ኣብ ዝተወከልሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዘሳለጥዎ ዕማማት ብዝርዝር ኣቕረቡ።

ስዒቡ፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን፡ ብሓፈሻ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ደምበ ተቓውሞ፥ ድኽመታት መሰጋገሪት ኣካል ፖ.ሓ.ኤ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ’ውን ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ተማሂርና ነዚ ናይ ህልውን መጻእን ዕድላት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣና ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ብ10 ልውካቲ  2024 ከኣ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጽታት ንኹሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር ኢዩ።

.

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዛቶ ዝጸንሐት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጊ ብጃልቡ ናብኣ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጋር መደባ ከተግብሮ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢራ።

እቶም እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ዝምከቶም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ካብ 1 ጥሪ 2022 ንደሓር፡  ካብ ፈረንሳን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዘይሓዊ ኣገባብ ብጀላቡ ዝኣተዉ እዮም። በቲ ዜና መሰረት እቶም ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብኡ ኮይኖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዑቑባ ናይ ምርካብ መስርሖም ክቕጽልዎ መሰል ክህልዎም እዩ። ኣብ ርእሲዚ ምርጨኦም እንተኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ሩዋንዳ ብቐጻሊ ናይ ምንባር ዕድል እውን ክወሃቦም እዩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ድሕሪ  10 ወይ  12 ሳምንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዝጅመር ጉዕዞ፡ ክሳብ መወዳእታ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 5700 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰግሩ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘለዉ እሞ ጉዕዞ ናብ ሩዋንዳ ዝምልከቶም፡ ኣብ 2024 ዝኣተዉ ጥራይ 7500  ከም ዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሰበስልጣን ዓብይ ብሪታንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ነቲ ስደተኛታት ብዘይውሑሳት ጀላቡ ክኣትዉ እንከለዉ ዘጋጥሞም ሓደጋ ንምቁራጽ ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ መደብ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ብዙሕ ከሰሓሕብን ብደረጃ ቤት ፍርዲ ክእገድን ክፍቀድን እኳ እንተጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ናይ ቅድም ብይናት ብምስዓር ጣቕላሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር እዩ ኣጽዲቕዎ።

ኣካላት ጸጥታ ዓብይ ብሪንያ ከም ኣካል ምድላው ናይቲ ምስግጋር ናብ ሩዋንዳ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሕጋውያን ኣይኮኑን ዝበልዎም ዝደተኛታት ማእሰርቲ  ጀሚሮም ከም ዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ናይ ሩዋንዳ ቅሩብነት ብዙሕ ዘዛርብኳ እንተኾነ ብመትከል ከም ዝተቐበለቶ  ክሕበር ዝጸንሐ እዩ።

ሩዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ሊቢያ ክትቅበል ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

ከም ዝዝከር ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ቀዳም 20 ሚያዝያ 2024 ዞባዊ ጉባኤ ኣካይዶም ነሮም። እዚ ብባህልን ቅዋምን ሰልፊ መሰረት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ሽውዓተ (7) ዝኣባላታ መሪሕነትን ክልተ (2) ተጠባበቕትን መሪጹ።

ቀዳም 27 ሚያዝያ 2024 ሓዳስ ዞባ ሽማግለ ምስ ናይ ቅድም ዞባ ሽማግለ ብምእካብ ከም ልሙድ ባህሊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምትሕልላፍን ምርካብን ከምኡውን ናይ ተመክሮ ምቅይያርን ኣካይደን። እዚ ተመክሮዚ ጠባያት ናይ ስልጣን ብሰላም ምትሕልላፍ ዘርኢ ባህሊ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ዞባ ሽማግለ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳ ተመርኵሳ ኣኼበኣ ቀጺላ፥

  1. ነፍሰ ስርርዕ ምግባር
  2. ንኡሳን ሽማግለታት ምቛም
  3. ኣብ ጉባኤ ዝተወሰነ መደባት ምትርጓም

ድሕሪ እኹል ምይይጥ ብምልኣት ስምምዕ ኣባላት ዝተሰነየ፡ ዞባ ሽማግለ ንነፍሰ-ወከፍ ቤት-ጽሕፈት ሓላፊ መዚዛትሉ። ብምቕጻል ከኣ ንነፍሳ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ሽማግለታት ብምውጋን ኣብ ስራሕ ክትዋፈር ቅርቡነታ ኣረጋገጸት።

ኣብ መደምደምታ ኣባላት ዞባ ሽማግለ ኣባላት ዘሰከምዎም ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንምትግባሩ ኩሉ ዝጥለቦም ንኸማልኡ ድሉዋት ምህላዎም ገሊጾም።

ክንዕወት ኢና

 

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣወሃህባ ቪዛ ንኢትዮጵያውያን ዝተወሰኑ ሕግታት ክድረቱ ከም ዝወሰነ ብ29 ማዝያ 2024 ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቪዛ ዝሓቱ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከይረኽቡ ካብ ዝበሎም፡  ብኢትዮጵያውያን ቪዛ ንምርካብ ዝቐርቡ መረጋገጽታት፡ ሕቶ ድርብ ቪዛን ምንጻግ ናጻ ቪዛ ፍሉይ (ቪኣይቪ) ፓስፖርት ንዝሓዙን ከም ዝርከብዎም እቲ ውሳነ ናይቲ ሕበረት ኣፍሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ቪዛ ንምርካብ 15 መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ መስርሕ ናብ 45 መዓልታት ከም ዝደይብ እውን ተፈሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ አክውስን ዘገደዶ ኢትዮጵያ ኣብ ኤውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ዝተረኽቡ ዜጋታታ ክትቅበል እተርእዮ ምትሕብባር እኹል ዘይምዃኑ  ኣብቲ መግልጺኡ ተጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዜጋታቶም ክቕበሉን ናይ ህጹጽ ግዜ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ክህቡ ተሓቲቶም ብቕንጡፍ ዘይምልሱ ምዃኖምን ምስ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ዘይምትሕብባሮምን ተወሳኺ ምኽንያት ነቲ ውሳነ ምዃኑ ኣስፊሩ።

እዚ ንኢትዮጵያውያን ቪዛ ኣብ ምሃብ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ግዝያዊ ኮይኑ፡ መዓስ ከም ዘብቅዕ ኣይተጠቕሰን። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝቕይሮ ከጽንዖ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።

ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብ1984 ከም ዝተመስረተት ንመበል 40 ዓመት ዝኽራ ዝተሓተመት መጽሐት ሓቢራ። እዛ ቤት ትምህርቲ መበል 40 ዓመት ምምስራታ ተኽብር ዘላ ምስ ብዙሕ ሽግራትን ከቢድ ናይ ምቕጻል ብደሆን ምዃና እታ ናይ ዝኽሪ መጽሐት ኣስፊራ። ካብቲ ከበድቲ ኣጋጥምዋ ዘሎ ብደሆታታ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ዋሕዲ  ገንዘባዊ ዓቕምን ምዃኑ ድማ ተጠቒሱ’ሎ።

ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ ብዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ካብ እትምስረት ጀሚራ ኤርትራውያን ህጽናት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝምለሱ ከተስተምህር ጸኒሓ። እንተኾነ ናይቶም ተመሃሮ ናብ ዓዶም ምምላስ ክሳብዛ ዘለናያ ዓመተ-2024 ኣይተረጋገጸን።

ናይታ ንመበል 40 ዓመት ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወት መጽሐት ዕላማ፡ ቀዳማይ  እታ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፈቶ ናይ ውረድ ደይብ ታሪኽ ምዝካር እዩ። ካለኣይ ዕላማኣ  ከኣ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን፡ ክከታተልዋ ዝጸንሑ ካለኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምምሃርን ምስትምሃርን  ክሳተፉ  ማሕበረሰብ ናይታ ቤት ትምህርትን  ወለዲድን ቤተሰብን ተማሃሮን ከምኡ’ውን  ንኩሎም እቶም ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ንቐጻልነታ ክልግሱ ዝጸንሑ ወገናት ልባዊ ምስጋና ንምቕራብ ። እቲ ሳልሳይን ቀንድን ምኽንያት ድማ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ድሕሪቲ ብዓለም ደረጃ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደገኛ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19፡  ገንዘባዊ ዓቕማ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ንምሕባር  ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዚ መልእኽቲ ዝያግዳ ቆላሕታ ካብ ዝገብረሎም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ እሞ ድማ ኣካል እቶም ኣስማቶም ኣብቲ ነባር  መዛግብቲ እዛ ቤት ትምህርቲ ሰፊሩ  ዘሎ ኣስታት 27 ሺሕ ዝኾኑ እዩ። ኮታ ከምኡ ምባል’ኳ ዘጸግም እተኾነ፡ እዚ ኣብዛ መጺሐት ተጠቒሱ  ዘሎ መልእኽቲ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ናይ “ኣድሕኑ ህጹጽ መጸዋዕታ” እዩ።

ኣብታ መጺሐት ብዝርዝር ቀሪቡ ከም ዘሎ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ካልእ ኣብያተ-ትምህርቲ ብወለድን ተመሃሮን ካብ እትምረጸሉ ምኽንያታት፡

1.  ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ተኸቲላ፡ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዘኛን እተስተምር ምዃና። 2. ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝያዳ ናብ ኣካዳሚያዊ ዘይኮኑ ዛዕባታት ዘተኩራ ምዃነን፡ 3. ኣብኣ ዝመሃሩ ተመሃሮ መባእታዊ ደረጃ ወዲኦም ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ንምሕላፍ ኣብ ዝወሃብ መርመራ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝግቡ ምዃኖምን 4. ውለዲ ንመመዝገብን ካልእ ንኡስ ወጻእታትን ዝኸፍልዎ ገንዘብ ምስቲናይ  ካለኦት ኣብያተ ትምህርቲ ክወዳደር እንከሎ ዝተሓተ ኮይኑ፡ ተመሃሮ ዲቪዛን ንደቀንስትዮ ዝኸውን መሕለዊ ንጽህናን ብናጻ ዝረኽቡ ምዃኖም። እዮም።

ብዘይካዚ ኣብዛ ናይ ዝኽሪ መጽሐት፡ እቲ ብ400 ዝጀመረ ቁጽሪ ተመሃሮ በብግዜኡ ዝርኣዮ ምዕባለ፡ ንዕቤት እታ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ግዱሳትን ዘበርከትዎ፡ ህንጸኣ ዘመናዊ መልክዕ ንምትሓዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ሱዳናውያን ሓለፍቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ውረድ ደይብን ምትሕብባርን፡ ብዛዕባ ዝብሉን ካለኦትን ጉዳያት ብሰፊሑ ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ቻዳዊ ሙሳ ፋቒ መሓመድ፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን ብፍላይ ድማ ኣብ ራያ ኣላማጣ፡ ዛታን ኦፍላን ኣብ ዝተባህሉ ከባብታት  “ዘሰሃሕብ” ኣብ ዘሎ ቦታታት ይምዕል ዘሎ ወጥርታት ይከታተሎ ከም ዘሎ፡ በቲ ብ25 ማዝያ 2024 ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ድማ ነዚ መግለጺኡ ተቓዊመምዎ።

እቲ ኣቦመንበር ናይቲ ሕብረት፡ ኣብቲ መግለጺኡ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን እቲ ኣብ መንጎኦም ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ኣብ ምህዳእን መሰል ናይቶም ዝመዛበሉ ዘለዉ ሲቪል ሰባት ድህኘጥ እብ  ምሓውን ክግደሱ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፍደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምሉእ ብሙ ንክትግበር ተማሕጺኑ።

ብዘይካዚ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ብመሰረት ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ዘተኣማምን መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘተ ክቕጽል ከም ዝግበኦ ኣብቲ መግልለጺኡ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ከም ዝጽዕር ሓቢሩ ናይቲ ሕብረት ኣካላት ድማ ኩሉ ዝከኣሎም ከም ዝገብሩ ቃል ኣትዩ።

ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ቀንዲ ወዳቢ ሕብረት ኣፍሪቃኳ እንተኾነ፡ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ንራያን ወልቃይትን ፍሉጣት ኣካል ክልል ትግራይ ክነሶም “ዘሰሓሕቡ ከባቢታት” ኢሉ ብምጥቃሱ፡ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣካላት ትግራይ ሓያል ተቓውሞን ንከእርም መጸዋዕታን የጋጥሞ ኣሎ።