ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ (ግምት)፡ ብ6 ጉንበት 2024 ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን፡ “ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ሰራዊት ሱዳን ኮይኑ ወጊኡኒ” ዝበል ንዘቕረቦ ክሲ ብትሪ ኮኒንዎ። እቲ ናይ ተወርዋሪ ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን፡ ከምዚ ዝኣኣመሰል ክሲ ምቕራቡ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ህይወት ኣሸሓት ዝበልዐ ውግእ ሕድሕድ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንምትሓዙ ዝተሃንደሶ መሰረተ ኣልቦ እዩ ኢልዎ።

እቲ መግለጺ በቐዳምነት ህወሓት ዝእዝዞ ስሩዕ ሰራዊት ዘየብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብኻለኣይ ደረጃ ድማ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብተግባር ዝተፈተነን ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐን ሕውነት ዘለዎ ህዝቢ እዩ ኢሉ። ኣብ ትግራይ ውግእ ምስተኸፍተ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዝነበረ ትግራዋይ ናብ ካለኣይቲ ሃገሩ ሱዳን ዝወሓዘሉ ምኽንያት እውን ዘርዚሩ። ህዝቢ ሱዳን ምስ ኩሉቲ ዝነበሮ ብደሆታት ንሓዉ ህዝቢ ትግራይ ንምቕባል ንዘርኣዮ ልግስን ተገዳስነትን ጠቒሱ ድማ፡ ብመንጽርዚ ትግራይ ጉዳይ ሱዳን ንምግዳድ ኢዳ እተእትወሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣስፊሩ።

ህዝቢ ትግራይ እቲ ዘጋጠሞ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳዩ ዘውረደሉ ዕንወትን ጉድኣትን ካብኡ ንላዕሊ ዝርደኦ የለን ኢሉ። ብምቕጻል ድማ ክልቲኦም ሱዳናውያን ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ክንዲ ነቲ ኩነታት ኣብ ምግዳድ ዝጽመዱ ናብ ዘተ ክቢ ጠረጴዛ ክመጹ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ውግእ መቕጻል መፍትሒ ዘየምጽእ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ነቲ ሳዕቤን ከም ዘጋድዶ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወድእታ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝሳቐዩ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ፍደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡  በቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ካብ ናይ ዲረክተር ጀነራል ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓላፍነት ዝሓዙ፡ ከምኡ እውን ምስ ናይዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ተመሳሳሊ ሓላፍነት ዘለዎምን፡ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድመኦም ደቆምን እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝጸንሐ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘእቱ ቪዛ ናይ ምርካቦም መሰል እገዳ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበረ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘውጸኦ መግለጺ እዩ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2021፡ ብሰንኪ ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢድ ምእታዋ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓለቓ ስታፍ ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ቀጺሉ ድማ ንሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓልፊ ገንዘባዊ ጉድያት ህግደፍ ሓጎስ ገ/ህይወት ወልደኪዳንን ኣብ ዝርዝር ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘይፍቀደሎም ተደለይቲ ባእታታት ከም ዘእተዎም ይዝከር።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈቱ ካብ 14 ጉንበት 2024 ጀሚሩ፡ ነቲ ካብ 13 መስከረም 2017 ንደሓር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ፡ ንኤርትራውያንን ነበርቲ ኤርትራን  ስሩዕ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ኣብ ዝሓበረሉ ዜና እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ እዚ ናይ ኤምባሲ ኣመሪካ ሓድሽ ኣውጅ ቪዛ፡ ብመጽርቲ ኣብ መጎኦም ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ ግዜ ምክሳስ ክቐበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝተፈልጠ የለን።

ሱዳናውያን ስደተኛታት ብሰንኪቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዝያዳ ሓደ ሺሕ ዝኾኑ፡ ካብቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተመስረተ ሓደሽ መደበር ብ3 ማዝያ 2024 ከም ዝሃደሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። እዞም ኣብ ከባቢ መተማ ኮመር ኣብ ዝበሃል ከባቢ 8 ሺሕ ዝኾኑ ሱዳናያውያን ኣብ ዝሰፈርዎ መደበር ተዓቚቦም ዝነበሩ ሱዳናውያን ዝሃደሙ ኣብ ልዕሊኦም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተሰለፉ ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዞም ስደተኛታት ንወገን ጐንደር ብእግሮም ጉዕዞ ጀሚሮም፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን 43 ማይልስ ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ብሰበስልጣን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተዓገቱ ድማ ተፈሊጡ። ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘጋጠመ ተኣሚኑ ነቲ ተበግሰኦም ዝለዕለ ጸጥታዊ ስግኣት ዝፈጠሮ ምዃኑ ጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ተረኽቦ ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ከም ዘሎ  ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣስታት 1.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ከም ዝተሰዱን ካብኣቶም እቶም 33 ሺሕ ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደሙን ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ እዋንዚ ካብ መደበር ኮመር ዝሃደሙ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተደጋጋሚ መጥቃዕት መጭወይትን ከጋጥሞም ከም ዝጸንሐ፡ እቶም ግዳያት ንሮይተርስ ሓቢሮም።  ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ኩነታት “ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ እቶም ዝሃደሙ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ህይወት ናይ ምድሓን ተግባሩ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

 ገለ ማዕከናት ዜና ካብቶም ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት ኤርትራውያን እውን ከም ዝርከብዎም’ኳ እንተ ጠቐሳ እንተኾነ ኣይተረጋገጸን።

 ክቡራንን ክቡራትን፡ እነሆ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ክርስቶስ  2024 ናይ ዮሃና መልእኽተይ ኣመሓላልፈልኩም። ብፍላይ ኣብ ጾም ዝጸናሕኩም  ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ድማ መላእ ኤርትራውያን፡ “እንኳዕ  ጾመ-ልጓም ፈቲሑ፡ ኣብጻሓኩም ኣብጻሓና” እናበልኩ  ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም።

በዓል ትንሳኤ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒርና፡ ራህዋ ናብ ዘምጽእ፡ ውግእን ወረ ውግእን፡ ስደትን ምክልባትን ኣብቂዑ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝፍጠረሉ ክኾነልና፡ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት   ደጊመ  አመሓላልፈልኩም።

ኣብ መወዳእታ፡ ጾመ-ኣርበዓ ብሓያል እምነትን ጸሎትን ተዛዚሙ፡ ናብ ምኽባር ትንሳኤ  እንቋዕ ኣብቅዓና እናበልኩ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ   ዮሃና እብለኩም።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

5 ጉንበት 2024

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝርከብዎ ጉጅለ 18 ሃገራት ምዕራባዊ ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ፡  ኢትዮጵያ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታት ክትፈትሕ ብሓባር ጸዊዑ። ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረቡ 3 ጉንበት ዓለምለኸ መዓልቲ  ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ምዃኑ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ (Addis Abeba)  ኣፍሊጣ።

መዓልቲ ናጻ ፕረስ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕላው “ናጻነት ፕረስን መሰል ናይቶም ምእንቲ ሓቂ ዝቃለሱ ጋዜጥኛታትን መዲያን’ እተዘኻኽር ምዃና ዝገለጸ እቲ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መሰል ምዝራብን ፕረስን ክዕቀቡ ዝግበኦም መሰረታዊ መሰላት ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቶም  መግለጺ ዘውጽኡ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ኣብ ስረሖም እናሃለዉ ከም ዝእሰሩ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ንመሰል እቶም እሱራት ከም ዝሕለቑን  ጋዜጠኛታት ብናጽነት ዝጽብጽቡላ ናጻ ዓለም ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ከም ዝበሉን ተሓቢሩ።

ናይዚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ትዝከር ዘላ፡  ኣብ ዝርዝር ናጻ ፕረስ ተንቆልቁል ኣብ ዘላትሉ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ኢትዮጵያ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም ለኸ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ”  ኣብዚ እዋንዚ 15 ጋዜጠኛታት ኣብ ግቡእ ስረሖም እንከለዉ ብምእሳር፡ ካብ 180 ሃገራት ካብቲ ኣብ 2022 መበል 114፡ ኣብ 2023 መበል 131 ዝነበረት ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ናብ መበል 141 ምውራዳ በዚ ድማ ሓንቲ ካብተን ጋዜተኛታት ብምእሳር ዝፍለጠ 3 ሃገራት ሳብሳህራን ምዃና’ውን ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ፕረስ ካብቲ ዝነበረቶ ብራኸ መመሊሳ ትወርድ ዘላ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን  በብግዜኡ ዝምዕብል ዘሎ  ሕድሕድ ውግኣት ምዃኑ እቲ በቶም ዲፕሎማሲ ጉጅለ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘካኺሩ።

ኤርትራ ኣብ 2023፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ “ንነዊሕ ግዜ ጋዜጠኛታት ብምእሳርን ንዝያዳ 20 ዓመታት ናጻ ፕረስስ ብምእጋድን ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ዘየብላ ሃገር” ተባሂላ ከም ዝተገልጸትን ድሕሪኡ ዝገበረቶ ምምሕያሽ ከምዘየለን ይፍለጥ።

.

Thursday, 02 May 2024 22:09

Dimtsi Harnnet Kassel 02.05.2024

Written by

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ(ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን እተጸውዐ ኣኼባ ኩሎም ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ናይ’ተን ጽላል ዘቖማ ሰለስተ ውድባት ተኻፊሎም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ ብሓፍትና ተጋዳሊት ኣድያም ተፈራን ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝሃብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ድሕሪ ምኽፋቱ፥ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፥ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ልፍንቲ ንምቛም ዝተኸደ ጒዕዞን ዝተሳለጡ ዕማማትን ብዝርዝር ገሊጹ።  ብድሕር’ዚ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ነቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምስጋን፥ ኣብ ዝተወከልሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዘሳለጥዎ ዕማማት ብዝርዝር ኣቕረቡ።

ስዒቡ፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን፡ ብሓፈሻ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ደምበ ተቓውሞ፥ ድኽመታት መሰጋገሪት ኣካል ፖ.ሓ.ኤ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ’ውን ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ተማሂርና ነዚ ናይ ህልውን መጻእን ዕድላት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣና ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ብ10 ልውካቲ  2024 ከኣ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጽታት ንኹሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር ኢዩ።

.

ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዛቶ ዝጸንሐት፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ብዘይሕጊ ብጃልቡ ናብኣ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጋር መደባ ከተግብሮ ከም ዝጀመረት ቢቢሲ ሓቢራ።

እቶም እዚ ናይ ምስግጋር መደብ ዝምከቶም ስደተኛታት ናብታ ሃገር ካብ 1 ጥሪ 2022 ንደሓር፡  ካብ ፈረንሳን ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳን ብዘይሓዊ ኣገባብ ብጀላቡ ዝኣተዉ እዮም። በቲ ዜና መሰረት እቶም ናብ ሩዋንዳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣብኡ ኮይኖም ናብ ሳልሳይ ሃገር ዑቑባ ናይ ምርካብ መስርሖም ክቕጽልዎ መሰል ክህልዎም እዩ። ኣብ ርእሲዚ ምርጨኦም እንተኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ሩዋንዳ ብቐጻሊ ናይ ምንባር ዕድል እውን ክወሃቦም እዩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ድሕሪ  10 ወይ  12 ሳምንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ዝጅመር ጉዕዞ፡ ክሳብ መወዳእታ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ 5700 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክሰግሩ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘለዉ እሞ ጉዕዞ ናብ ሩዋንዳ ዝምልከቶም፡ ኣብ 2024 ዝኣተዉ ጥራይ 7500  ከም ዝበጽሑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሰበስልጣን ዓብይ ብሪታንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ነቲ ስደተኛታት ብዘይውሑሳት ጀላቡ ክኣትዉ እንከለዉ ዘጋጥሞም ሓደጋ ንምቁራጽ ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ መደብ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ብዙሕ ከሰሓሕብን ብደረጃ ቤት ፍርዲ ክእገድን ክፍቀድን እኳ እንተጸነሐ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ናይ ቅድም ብይናት ብምስዓር ጣቕላሊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር እዩ ኣጽዲቕዎ።

ኣካላት ጸጥታ ዓብይ ብሪንያ ከም ኣካል ምድላው ናይቲ ምስግጋር ናብ ሩዋንዳ ድሮ ኣብ ልዕሊ ሕጋውያን ኣይኮኑን ዝበልዎም ዝደተኛታት ማእሰርቲ  ጀሚሮም ከም ዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ናይ ሩዋንዳ ቅሩብነት ብዙሕ ዘዛርብኳ እንተኾነ ብመትከል ከም ዝተቐበለቶ  ክሕበር ዝጸንሐ እዩ።

ሩዋንዳ ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ካብ ሊቢያ ክትቅበል ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

Page 3 of 557