“ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ”፡

2024-05-01 07:48:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 347 times

“ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ”  ዝብል  ኣበሃህላ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ልሙድ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ናይ ሕብረት ታራን ኣድላይነትን የዕዝዝ። ክጥመር ዝግበኦ ናይ ዘይምጥማሩ ሓደጋ እውን የገንዝብ። ኩነታት ምጥማርን ዘይምጥማርን ኣብ ዕለታዊ ማሕበረ ቁጠባዊ ህይወት ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከምዚ ነካይዶ ዘለና ፖለቲካዊ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ኣድላይነቱ ህያው እዩ።

ኣብ ቃልሲ ዝተዋህለለ ሓይሊ ሰብ፡ ነገራዊ ዓቕምን ተመኩሮን፡ ከምቲ ፈልጺ ብልሕጺ ዝጥመር፡ ብሕግን ስርዓትን እንተዘይ ተማእኪሉ ኣየድምዕን’ዩ። ኣድላይነት ናይቲ እናበሃግናዮን እናደለናዮን ክሳብ ሎሚ በቲ ንደልዮ ደረጃ ከነረጋግጾ ዘይበቓዕና ሓድነትን ምውህሃድን ’ውን ብመንጽር እዚ እዩ ዝረአ። ኣብ መስርሕ ምሉእ ሓድነት ኮነ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል ተቐራሪብካ ምቅላስ፡ ካብ ዝረኣዩ ጸገማት ሓደ ኣብቲ “ዝተበተነ ዓቕምታትና ብኸመይ ይጠመር?” ፡ ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ዝፍጠር ፍልልይ ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ክንርእዮ ዝጸናሕና እዩ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኮነ ኣብ ካልእ ንኡስ ዛዕባታት ነናቶም ዝተፈላለየ ከዕውትዎ ዝደልዩ ባህግታት ክህልዎም ባርያዊ እዩ። ምስዚ ግና ተመሳሳሊ ባህጊ ከም ዝህልዎም እውን እሙን እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብሓባር ምስላፍ መተካእታ የብሉን። ነቲ ኣብ ባህጊ ኮነ ኣብ ኣረዳድኣ ዝረአ ሓላፍ ዘላፍ፡ ብሓባር ተሰሊፍካ ወይ ተቐራሪካ ምዕዋት፡  ከምቲ  ብልሕጺ ዝተጠምረ  ፈልጺ ኣብቲ ክበጽሖ ዝግበኦ ኣብ ምብጻሑ ዘየጸግም፡  ነቲ ቃልሲ ጠሚሩ ዝቓንዮን ብኣድማዒ ኣገባብ  ንቕድሚት ዘሰጉሞን ቀጥዒ ክህሉ ከኣ መተካእታ የብሉን።

እዚ መጥመሪ ቀጥዒ ከከም ደረጃኡ ካብቲ ዝተሓተ ውድብ ይኹን ሰልፊ ወይ ድማ ማሕበር ክሳብ ብደረጃ ሃገር በበይኑ መልከዓት ይሕዝ። ናይ ኩሉ ማእከላይ ዕላማ ግና ናይ ሓባር ድሌትን ባህግን እናሃለዎ በበይኑ ዝወፍር ዓቕሚታት ሓቢሩ ከም ዝዓምምን ከምዘድምዕን ምኽኣሉ እዩ። እዚ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ቅዋም ወይ ሃገራዊ ሕገመንግስቲ ይኸውን። ናይዚ ጠማሪ ብኩራት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ኣሉታዊ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ብኩራት ቅዋም ሳዕሪሩ ዘሎ ክቱር ምልኪ መስካሪ እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ኣድላይነት ሃገራዊ ቅዋም ክሕተት እንከሎ፡ እንዳ ሓጨጨ፡ ነቲ ቅዋም ዘጽደቐ ድምጺ ህዝቢ ካብ ዘለዎ ንዕቀትን ትምክሕትን ነቒሉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከይሓፈረ፡ ብላግጺ“ከይተኣወጀ እንከሎ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ዝብሎ፡ ትርጉሙ ኣካይድኡ ብሕጊ ክግደብ ዘይደሊ ሃላሊ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ጸቢብን ዘይሓላፍነታውን ኣጠማምታ ዘርኢ’ውን እዩ። “እሞ ወዮ ሕገመንግስቲ ካብ ሞተን ነቲ ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣለና ክትብሎ ዝጸናሕካ’ውን ካብ ኣዋደቕካዮ፡ ሃገርን ህዝብን ብምንታይ ትመርሖም ኣለኻ?” ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ከየጸባበቕካ “ብኢደወነነይ” ዝብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ  ከምዘይኮነ ብግብሪ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ድሌቱ ከኣ ኣብታ ፍሉይን ክቡርን ዋጋ ዝተኸፈላ ሃገር “ኢደ-ወነናዊ” ምምሕዳር ምስራጽ እዩ።

እቲ ህንጡይ ህግደፍ በዚ ከይተወሰነ ኣብ ኣደባባይ ክብሪ ሃገር ክዕድል እውን ምእማኑ ክሳብ ንጽገም ዝሰማዕናዮን ዝተዓዘብናዮን እዩ። ከምዚ ሎሚ ዝምድናኦም ኣዝዩ ሓርፊፉ፡ ኣብ ኣሽሙርን ምትሕምማይን ከይወደቑ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ወኪለካ ኣለኹ፡ ንስኻ ኢኻ ተመርሕና፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ፡ ተደሊኻ ኦሞሓጀር፡ ኣስመራ፡ ዓሰብን ባጽዕን ፈቓድ ከይሓተትካ ክትከይድ ከልካሊ የብልካን” ክብል እንከሎ ክሳብ ክንደይ ኣብዛ ብሰንኩ ሕገመንግቲ ዘየብላ  ሃገር፡ ልጓም ከም ዘየብላ መጽዓኛ   ከም ዝጋለበ  ምርድኡ ኣየጸገምን።

ኣብ ውዳበታትና እንምረሓሉ ሕግታት ኮነ ቅዋም ሃገር ኣገዳስነቶም፡ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ምጥማር ጥራይ ዘይኮነ፡ ትካላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን እግሪ ኣትኪልካ፡ ቅኑዕ ቅዲ ምምሕዳር ዘትሕዝ’ውን  እዩ። ብደረጃ ሃገር ናይ መንግስቲ ምልኣት ምህላዉ ዘረጋግጹ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መሰረታዊ መንቀሊኦም ሃገራዊ ቅዋም እዩ። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝወጹ ሕግታት’ውን ነዚ ቅዋም ብዘይጻረር  እዮም ዝቕረጹ። ዕላማ ምውናንን ኣብ ምትግባሩ ዝቕልስ ሕጊ ወይ ቅዋም ምህላውን ኣብቲ እተማዕድዎ ሸቶ ንምብጻሕ በይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ህዝቢ ብቕዋም ተቐይዱ ባህጉ ዘተግብር  ብመሰረት እቲ ዘጽደቖ ሕገመንግስቲ ብዝረኸቦ መሰል ተጠቒሙ፡ ንከገልግሎ እምነት ዘንበረሉ መሪሕነት ወይ መንግስቲ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ።

ስለዚ ሕገመንግስቲ ትካላት ጥራይ ዘይኮነ መሪሕነት እውን ዝወልድ እዩ። እቲ በዚ ኣገባብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝሕተትን ዝምልከቶን ዘይምከቶን ተደሪቱ ዝወሃቦ እምበር፡ ከምድላዩ ዓንቀጻት እናጠሓሰ፡ ዝዕንድር ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሕቶ መሪሕነት ክለዓል እንከሎ፡ ኢስያስ ኣፈወርቂ  ምስ በልካ፡ ድሕሪኡ መን ኢልካ ከም እትቕጽል ፍሉጥ ኣይኮነን። ምናልባት ካብዚ ምድንጋር ዝነቐለ ብዝመስል ገለ ዓቕሎም ዝጸበቦም ወገናት ስም ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ከኳማስዑ ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ብኩራት ሕገመንግስቲ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ይረኣየካ።

ብኸምዚ ናይ ኢሳያስ ዝኣመሰል ዓመጸኛ መንገዲ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ሕገምንግስታዊ መስርሕ ተኸቲሉ ብኣፍልጦ ህዝቢ ዝመጽእ መሪሕነት ንህላወን ዕቤትን ህዝብን ሃገርን  ወሳኒ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ድማ “ታሕተዋይ ኣካል ብውሳነ ላዕለዋይ ኣካል ይምእዘዝዕለዋይ ኣካል ድማ ንድምጺ ንታሕተዎት ይሰምዕ” ዝብል ኣምር ሓደ ካብ ዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ጌርካ ዝውሰድ። እዚ ከበሃል እንከሎ ናይቲ ዝምራሕን ቀንዲ ኣብ ባይታ ዘተግብርን ህዝቢ ብጽሒት እውን ኣትሒትካ ብምርኣይ ኣይኮነን። እቲ ዘዕውት እምበኣር ናይ ህዝብን መንግስትን ውሁድ ጉዕዞ እዩ። ሓላፍነትን ተሓታትነትን ናይቲ ዝመርሕ ኣካል ብዝተወሰነ ደረጃ ከም ዝዓዝዝ ግና ኣይሰሓትን።

ድሌትካ፡ ቅዋምካን መሪሕነትካን ኣሳንዮም ከም ዝስጉም ምግባር፡ ብቃልሲ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን እምበር፡ ተሰሪሑ ከምዘይወሃበካ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቲ መስርሕ ንሓንሳብ እንዳዓገብካ ንሓንሳብ ድማ እንዳተጠርነፍካ እትጐዓዞ ስለ ዝኾነ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ቃልሲ ዘለናሉ እዋን ኢና ንኣካይዳ  ኢስያስ ዝስዕር  ናይ ጽባሕ ምእዙዝነት ንቅዋም እንለማመዶ።

 

Last modified on Wednesday, 01 May 2024 09:59