ቻይና ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ወርሒ ሕዳር 2026፡ ክልተ ላዕለዎት ዲፕሎማሲያዊ ልኡኻታ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እትልእኽ ናይታ ሃገር ወሃቢት ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ማኦ ኒንግ ኣፍሊጣ። ናይቶም ልኡኻት መገሻ ኣካልቲ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ወጥሪ ኣህዲእካ ሰላማዊ ዘተ ንምክያድ ወጢናቶ ዘላ ናይ ምርግጋእ ጉዕዞ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
እታ ቻይናዊት ወሃቢት ቃል ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሊዩ ዣንፋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን ግብጽን ኣብ መጀመርታን መፋርቕን ወርሒ ሕዳር 2026 ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃዊ ጉዳያት ሁ ቻንግቹን ብወገኑ ኣብ መጀምርታ ሕዳር 2026 ናብ ኤርትራ ክጐዓዝ እዩ።
ጋዜጣ “ቻይና ዳይሊ (China Daily)” ብወገና፡ እዚ ዝካየድ መገሻ ልኡኻት ቻይና፡ ኣካልቲ ሰለስተ ልኡኻት ቻይና ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ወሽመጥ፡ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝገብርዎ ተሳትፎ እዩ። ወሃቢት ቃል ማኦ ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺመብርሂ፡ ናይቶም ልኡኻት ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ፡ ዞባዊ ወጥሪ ምህዳእን ሰላም ኣብ ምውሓስ ኣስተዋጸኦ ምግባርን ምዃኑ ኣዕዚዛ ገሊጻ።
ጉዕዞ ልኡኻት ቻይና ህልዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገጢምዎ ዘሎ ዲፕሎማሲያውን ጸጥታውን ብደሆታት ኣብ ዝሓየለሉ፡ ኣብ ሕድሕድ ናይዚ ዞባ ሃገራት ምትእምማን ኣብ ዝረሓቐሉ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ረብሓ ውድድር ኣብ ዝሓየለሉ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ። ቻይና ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዲፕሎማሲያዊ ጻዕራ ከተሕይል ካብ ዝተገደደትሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ማእከል ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ብምዃናን ኤርትራን ጅቡትን ከኣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብዘለወን ወሳኒ ግደን እዩ።

