ሳልሳይ ርክብ ኣፍሪቃን ሩሲያን ብ28-29 ጥቅምቲ 2026 ኣብ መስኮ ስለ ዝካየድ፡ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካለኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ናብ ቦታ ኣኼባ ከይዶም ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ 22 መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎ ልኡኻት 48 ሃገራት ክሳተፉ ምዃኖም ኣብ ኣፍሪቃ ዝማእከላ ድምጺ ጀርመን ሓቢራ።
ብወግዒ ተገሊጹ ብዘሎ መሰረት ናይዚ ርክብ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ኣብ መዳያት፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ጸዓት፡ ሕርሻ፡ ውሕስነት መግብን ምትሕብባር ክልቲኡ ኣካላት ዝምልከት ኮይኑ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሩሲያ ነዚ ዕማም እኹል ምድላዋት ከም ዝገበሩ ሬድዮ ታማዙጅ ብወገና ሓቢራ። ነዚ ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ፕረሲደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲንን እዋናዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ መራሒ ቡሩንዲ ኢቨርስተ ንዳይሺሚየን ብሓባር ከም ዝመርሕዎ’ውን እታ ሬድዮ ሓቢራ።
እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዚ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ በቲ ሓደ ወገን ሩሲያ ሕዝነታ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተሕይል ኣብ እትደልየሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ሩሲያ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ዝጽበያሉን ግዜ እዩ። ብዘይካቲ ዝካየድ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ገለ ሃገራትን ሩሲያን ፍሉይ ልዝባት ከም ዝካየድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ሩሲያ፡ ቅሩባት እንተደኣ ኮይኑም፡ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ልኡኻት ናይተን ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ወጥሪ ዝርከባ ኤርትራን ኢትዮጵያ ብፍሉይ ከተራኽቦም እያ ዝብል ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። እንተኾነ ሩሲያ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ጥሒሳ ዩኩረይ ብምውራራ ኣብ እትውገዘሎ ዘላ፡ ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሃድነትን ከኽብራ፡ ናይ ምሽምጋል ሞራል የብላን ዝብሉ ወገናት ብዙሓት ስለ ዝብሉ ብዙሕት ተስፋ ዝንበረሉ ኣይኮነን።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራ ብወገና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሩሲያ ሰራዊታ ካብታ ዝወረረታ ዩክረይን ከተውጽእ ንዘቕረቦ እማመ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝተቓወመት እንኮ ሃገር ክነሳ፡ ከመይ ኢላ እያ ሩሲያ ልኡላውነታ ኣብ ምክልኻል ክትሕግዛ ክትጽበያ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

