ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ግምት ብምእታው ሓድሽ መጠንቀቕታ ከምዘውጸአ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ብዘስፈሮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብ ትግራይ ካብ ከተማ መቐለ ወጺኢ ዘሎ ከባብታትን ኣብ ዶባት ኤርትራን ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝኾነ ሰዓት መልክዑ ክቕየር ከም ዝኽእል ኣተሓሳሲቡ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኹሱምን ሽረን ጌና ዕጽዊ ምህላዉ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ገያሾ ብዛዕባቲ ተዓጽዩ ዘሎ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጥራይ ሓበሬታ ንክረኽቡ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ውግእ ብዝፈጠሮ ተጽዕኖን ብምዕጻው እቲ መዓርፎ ነፈርትን ሓደሓደ ኣሜሪካውያን ዜጋታት ካብ ከተማ ሽረ ናብ ከተማ መቐለ ብመኪና ይጐዓዙ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ካብ ትግራይ ከም ዝበጸሖ’ውን እቲ ኤምባሲ ኣስፊሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ኣብ ዘየብሉ ኩነታት ኣብ ዝግበር ጉዕዞ እቲ ኤምባሲ ዝህቦ ውሕስነትን ሓገዝን ከምዘየለ ኣፍሊጡ። እቲ መማረጺ ሓላፍነት ወሲዶም ዝጐዓዙ ኣሜሪካውያን ኩነታት ንምፍላጥ ዝምልከቶም ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ዝህብዎ መምርሒ ካብ ምቕባል ካልእ ምርጫ የብሎምን ኢሉ።
መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ጐኒንጐኒ እቲ ብመዳፍዕ ዝካየድ ውግእ ሓደገኛ ኮይኑ ዘሎ ማሕበራዊ መዲያ ካልእ ዓውዲ ውግእ ኮይኑ ምህላዉ ክብል ኣተሓሒዙ ገሊጹ። ነቲ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኮነ ኢልካ ንምግጋይ ብማሕበራዊ መራኸብታት ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ኣቃሊዑ፡ ዜጋታት ሓቀኛ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከጻርዩ ይግበኦም ክብል መጣንቀቕታኡ ዛዚሙ።

