ካብቶም ብሰንክቲ ውግእ ዝተመዛበሉ እሞ ሓገዝ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝጽበዩ ብኸፊል
ኣብ ዶብ ምስ ኬንያ እትርከብ ከተማ ሞያለ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ብሄረሰባት ኦሮሞን ሶማሊ ጅጅጋን ዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድ 9 ሰባት ሞይቶም ኣስታት 2, 500 ሰባት ድማ ናብ ኬንያ ከም ዝተመዛበሉ ኣገልግሎት ዜና ኣልዓረቢያ (ALAREBIA) ሓቢራ።
እቲ ውግእ ብ20 ጥቅምቲ 2026 ዝተጀመረ፡ ምምሕዳር ብሄረሰብ ሶማሊ ነበርቲ ከተማ ሞያለ ኢትዮጵያ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ናይ ክልሎም ባንዴራ ምስ ሰቐሉ፡ ካብ መሊሻ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ብዝተላዕለ ተቓውሞ ተኹሲ ምስተኸፍተ ምዃኑን ኣብቲ መጀመርያ ጓል 13 ዓመት ቆልዓ ምስተቐትለት ዝተባርዐ ምዃኑ’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ መልሻን ፍሉይ ሓይልን ናይ ክልቲኡ ክልላት ተጀሚሩ ዝቐጸለ ውግእ 30 ሰባት ብከቢድ ብረት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሞያለ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተዉ ዝሞቱ ከም ዘለዉ ካብ ሓካይም ዝረኸቦም ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ሮይተርስ ብወገኑ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ብሰንክቲ ውግእ ሰባት ምማቶም፡ ምቑሳሎምን ምስዳዶም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ክልቲኡ ወገናት ብዙሓት ኣብያተ-ንግድን መዓደሊ ነዳድን ከም ዝነደዱ‘ውን ተፈሊጡ። ስታንለይ ካማንደ ዝተባህለ ኬንያዊ ኣማሕዳሪ ማርሳቢት ዝተባህለ ከባቢ ብወገኑ፡ ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ነበርቲ እታ ከተማ ናብቲ ኬንያ ከም ዝሃደሙ ኣብሪሁ። ናይቲ ከባቢ ኬንያዊ ኣዛዚ ፖሊስ ብወገኑ፡ እቶም ዝቖሰሉ ኩሎም ኮነ ኢልካ ብጥይት ዝተወቕዑ ምዃኖም ምምስካሩ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
ሞያለ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሩባ ዝፈላለያ ጐረባብቲ እየን። ሞያለ ካብ ኣዲስ ኣበባ 181 ካብ ናይሮቢ ድማ 776 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ። ዋንነትን ምምሕዳርን ከተማ ሞያለ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ክልላት ኦሮሞን ሶማሊ ጅጅጋን እዩ። ኣብዛ ከተማ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ናይዘን ክልላት ጸጸኒሑ ዝለዓልን ጉድኣት ዘኸትልን ናይ ዶብ ግጭታት ይለዓል እዩ።

