መበል 15 ሱልጣን ኢትዮጵያውያን ዓፋር፡ ኣሕመድ ዓሊምራሕ ሓንፈረ ነቲ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎን ናብ ኤርትራ ገጹ ዝግበር ዝሎ ዝሸባሸብ ውግእን፡ “እዚ ውግእዚ ኣይውግእናን እዩ” ብዝብል ከም ዝቃወምዎ ብ4 ጥቅምቲ 2026 ብዘጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። ሰራሕተኛታት ክልል ትግራይ ከኣ ኣብ 20-23 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ ነናብ ዝነበርዎ ኣብያተ-ስራሕ ቀሪቦም ክምዝገቡ ተጸዊዖም።
እቶም መበል 15 ስልጣን ዓፍር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘጽእዎ ውግእ ዝቃወም መግለጺ፡ ደቀባት ክልል ዓፋር ቅድሚ ሕጂ ንፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ናብ ዓውዲ ውግእ ተላኢኾም ክሞቱ ከም ዝጸንሑ ኣዘኻኺሮም። ብሄረሰብ ዓፋር ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ተጐዳእትን ካብ ቁጠባዊ ረብሓ ተገሊሎም ዝጸንሑን ምዃኑ እውን ኣብቲ መግለጺኦም ኣመልኪቶም።
ኣተሓሒዞም ከኣ መን ይተዓወት መን ኣይተዓወት ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ረብሓ ከም ዘየበሉ ኣገንዚቦም። ትማሊ ጸላእቲ ዝነበሩ ሎሚ ኣዕሩኽ ይኾኑ ኣለዉ፡ ጽባሕ ድማ እቲ ምሕዝነት ክቕየር እዩ ዝበሉ እቶም ሱልጣን፡ ካብዚ ምቅይያራት ህዝቢኢ ዝጥቀሞ የለን ኢሎም። ከምኡ እውን ናይ ቅድሚ ሕጂ ቁስሊ ከይሓወየ ሎሚ ድማ መልክዑ ቀይሩ ውግእ ይመጽእ ኣሎ እውን ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ፍትሒ ነጊሱ ናይ ቅድሚ ሕጂ ገበነኛታት ክሕተቱ ኣለዎም ኢሎም።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተመዘ ናይ ትግራይ ብዓል ሕድሪ (care taker) ምምሕዳር ብ20 ጥቅምቲ 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ናይታ ክልል ሰራሕተኛታት ኣብዘን ዝቕጽላ 3 መዓልታት ኣብቲ ዘዝነበርዎ ኣብያተ-ስራሕ ቀሪቦም ንክምዝገቢ ከም ዝጸውዐ ቲክቫህ-ኢትዮጵያ ዝተባህለት መርበብ ኣፍሊጣ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ መዓልታት ቀሪቡ ምህላዉ ዘየረጋገጸ ሰራሕተኛ ብዛዕብኡ ናይ ዝውሰን ውሳነ ሓላፍነት ባዕሉ ዝወስድ ምዃኑ ከኣ እቲ ዜና ተቒሱ።
ዝምልከቶም ናይ ኣብያተ-ስራሕ ሓለፍቲ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ከኣ ኣብ ቦታኦም ተረኺቦም ክምዝግቡ ከኣ ኣዘኻኺሩ።

