ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ስሩዕ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ29ን 30ን ነሓሰ 2026 ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ እዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ብምድህሳስ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝፈጠሮ ጭቆናን ደበና ውግእን ስግኣቱ ኣብ ዝገደደሉ፡ ዓለምና ብሓፈሻ ከባቢና ድማ ብፍላይ ብዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ውግእን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዝናወጽሉ ዘለዉ ህሞት ምዃኑ ብምጥቃስን መጻኢ ቃልስና እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ብምእማትን ቃል ኣስሚዑ።
ኣኼባ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለን ክፍሊ ምቁጽጻር ገንዘብን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ሰነድ ሰልፊ ክዕቀብ ኣጽዲቕዎ። ነቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምምዛን ድማ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝሓለፈ ንዘበርከትዎ ንኢዱ ኣብ መጻኢ ንኽቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣንጸባሪቑ።
ኣኼባ ባይቶ፡ “ዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን” ኣብ ዘካየዶ ዳህሳሲ ምይይጥ ተመስሪቱ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያን ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን፡ ምንቅስቓስ ጾምዶን ኣተሓሕዛኡን፡ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ግደ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብፍላይ ድማ ኣብ ሊቢያ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ሕሱም ህይወትን ግደ ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ኣገደስቲ ውሳነታት’ውን ኣሕሊፉ።
ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ፈጻሚት ሽምግለን ገንዘባዊ ተቖጻጻርን ብምምራጽን ኣገደስቲ ለበዋታት ብምትሕልላፍን ተዛዚሙ። (ነዚ ኣኼባ ዝምልከት ደምዳሚ መግለጺ ኣብ ሓጺር ግዜ ክስዕብ’ዩ።)

