ኣብ ትግራይ ሓድሽ ማእከላይ እዚ ቆይሙ
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኣብ ትግራይ ኣብዚ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቅሉዕ ውግእ ከይእቶ ኣዝዩ ዘስገኣሉ ዘሎ ኩነታት፡ ፖለቲካዊ መራሕትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብኣባልነት ዝርከብዎ 11 ዝኣባላቱ “ማእከላይ እዚ (command post)” ከም ዝተመስረተ ንኩነታት ትግራይ ብቐረባ ዝከታተላ መዲያታት ሓቢረን።
ናይቲ ማእከላይ እዚ ኣባላት፡ ካብ ፈጻሚ ኣካል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራ፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር፡ ኣማኑኤል ኣሰፋን ዶር ኣብርሃም ተኸስተን ከምኡ ድማ ኣባላል ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ጌታቸው ኣሰፋ እዮም። ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ከኣ፡ ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ (ፍሰሃ ማንጁስ)፡ ጀነራል ሃይለስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ)፡ ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርስ (ጆን መዲድ)፡ ጀነራል ምግበይ ሃይለ፡ ጀነራል ብርሃነ ነጋሽ (ወዲ መድህን)ን ጀነራል ክንፈ ዳኘውን ምዃኖም ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ብናይ ቅድም ፕረሲደንት ናጀርያ ሎሚ ድማ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ ጀሚርዎ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ናይ ምትዕራቕ ፈተነ ናይ ሓያሎ ኣካላት ደገፍ ይረክብ ኣሎ።
ካብቶም ደገፎም ዝሃቡ ኣህጉራዊ ትካላት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካናዳን ዓባይ ብሪታንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ኤባሲታተን ኣቢለን ደገፈን ከም ዝገለጻ ጸብጻባት ክሕብሩ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

