ዓለምለኻዊ ሕብረት 25 ኣካላት ኣብ ጉዳይ ትግራይ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ዓለምለኻዊ ሕብረት 25 ኣካላት ኣብ ጉዳይ ትግራይ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ዓለምለኻዊ ሕብረት 25 ኣካላት ኣብ ጉዳይ ትግራይ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ምትሕብባር 25 ዓለም ለኻዊ ኣካላት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ንምሽምጋል ዝጀመሮ ጻዕሪ ብምድጋፍ ናይ ሓባር መጠንቀቕታ ከም ዘውጸአ፡ ካብፒታል ነውስ (capital news) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። እቲ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ውግእ እንተተፈጢሩ፡ ከኸትሎ ብዝኽል ዕንወት ብምስጋእ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ናይ መጠንቀቕታ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ ኣብ ኢትዮጵያን ብሕብረት ኣፍሪቃን ኮይኑ፡ ካብ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኢውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ፖላንድን ሽወደንን ከምኡ ከኣ ኤምባሲታት ካናዳ፡ ነርወይን ብሪጣንያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካልቲ መግለጺ ምዃኖም ተጠቒሱ። ናይቲ መግለጺ ምውጻእ ዘመልክቶ ናይቲ ብ2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ስለ ዘስግእ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ መግለጺ “ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንከታተሎ ዘለና ምዕባለ የሰክፈናሎ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ምትግባር ስምምዕ ፕሪቶርያ ከተኩሩ ከም ዝግበኦም ደጋጊሙ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይ ኦበሳንጆ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ትግራይ ምብጻሕ ከም ዘተባብዕ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣዘካኺሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡  ህይወት ወተሃደራት ከም ዝጠፈን በዚ ክልቲኦም ወገናት ይካሰሱ ከም ዘለዉን ከኣ ተጠቒሱ።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣብቲ ብደርቂ ከይህሰ ዘስግእ ዘሎ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ምፍጣሩ ብፍሉይ ጠቒሱ፡ ወግእ እንተቐጺሉ ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘጋድድ ጸቒጥሉ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብ25 ነሃሰ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዘይወግዓዊ መገሻ ኦባሳንጆ ምክያዱ ምርግጋጹ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። ፕረሲደንት ናይቲ ክልል ንመስርሕ ዘተ ግቡእ ቆላሕታ ኣይተዋህቦን ከም ዝበለ እውን ሰፊሩሎ።

ኣብ መንጎ ፈድራል መንግስትን ክልል ትግራይን ከዘራርቡ ዝጸንሑን ስለ ዘተፈትሑ ኣብቲ ምስ ኦበሳንጆ ዝተገብረ ርክብ ዝተላዕሉን ዛዕባታት፡ ምልዓል ቁጠባዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ክባን ዘይምርግጋእን ምህዳእ፡ ምምላስ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወጻኢ ዘሎ ከባብን ዝተመዛበሉ ወገናትን ምምላስን ሕጋውነት ህወሓትን ከም  ዝምለስ ምግባርን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዝሉ እንከሎ፡ ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ አርቪን ማሲንጋን ኣብቲ ኤምባሲ ፈጻሚ ጉዳይ ዋልተር ፓርስን ብወገኖም ኦባሳንጆ ኣብ ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ መስርሕ ዕርቂ ከም ዝድግፍዎ ብዘውጽእዎ መግለጺ ምርግጋጾም ተሓቢሩ።