Print this page

መደበር ስደተኛታት እምኩሉ ተዓጽዩ

2023-03-29 07:37:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 627 times
Rate this item
(0 votes)

ምስሊ መደበር እምኩሉ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ ኤርትራ ካብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ኣስታት 10 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ፡ እንኮ መደበር ስደተኛታት ኣብታ ሃገር፡ ኣብ መወዳእታ 2022 ምሉእ ብምሉእ ከም እተዓጽወት ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብዛ መደበር ዝነበሩ ሶማላውያን ስደተኛታት ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣብዛ 25 ዓመት ዝዕድሚኣ መደበር ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 3 ሺሕ ዝበጽሑ ሶማላውያን ስደተኛታትኳ እንተነበሩ መብዛሕቶም  ኣብ ከባቢ 2019 ተገዲዶም ከብታ መደበር ከም ዝለቐቑ  ካብ ኤረና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2018 ጀሚሩ ነቲ መደበር ናይ ምዕጻው ድሌት ከም ዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ኣብ ከባቢ 2019 ኣስታት 2,100 ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብታ መደበር ከም ዝነበሩ ጠቒሱ። ኣብቲ ዓመት ብህግደፍ ብዝሓደሮም ስግኣት 1, 300 ዝኾኑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ እቲ ኮሚሽን ኣብቲ እዋንቲ  ብዘቕረቦ ጸብጻብ ሓቢሩ።  እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን መንግስቲ ኤርትራ መሰል ስደተኛታት ከኽብርን ብኢደወነንካ መደበር ዓጺኻ ንስደተኛታ ናብ ሶማሊያ ምስዳድ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑን ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐን ሓቢሩ።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ መደበር ስደተኛታት እምኩሉ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ጨካን ኣሰራርሓ ህግደፍ እቲ ኣብ ካለኦት ሃገራት ንስደተኛ ዝፍቀድ መሰል ናብ ሳልሳይ ሃገር  ምጥያስን ኣብታ ሃገር መንበሪ ፈቓድ ምርካብን ተነፊግዎም ከም ዝጸንሐ ምሕባሮም እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኣሸሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ስደተኛ መሰሎም ተገፊፉ ብዘይድሌቶም ናብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽንበሩ ወይ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዘይፈልጦ ሑቡእ መደበር ክዳጐኑ ይግደዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።

ምምሕዳር ህግደፍ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ መደበር እምኩሉ ዝተዓቖቡ ስደተኛታት ዝወሰዶ ዘይሰብኣዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛት ክድገም ተንኮላት ይምህዝ  ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Wednesday, 29 March 2023 09:46