Print this page

ተወከልቲ ትግራይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቦም

2023-02-04 11:04:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 734 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ3 ለካቲት 2023 ምስ ኣባላት ኮሚተ ስምምዕ ሰላም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን  ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ፡ ሃላላ ኣብ ዝተባህለ መዘናግዒ ቦታ ብኣካል ተራኺቦም ከም ዝተዛተዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ።

ኣብቲ ዘተ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፈጻጽማ  ስምምዕ  ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን  ስራሕቲ ክግምግሙ እንከለው፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዕማማት ኣመልኪቶም'ውን ደማ  ከም ዝተዘራረቡ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ  ኣመልኪቱ። ኣብቲ ርክብ ብወገን ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገ/ትንሳኤ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነውን ዘለዉዎም ተረኺቦም።

ብወገን ፈደራላዊ ሪፑብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖም፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ሓላቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻን ብርሃኑ ጁላ፡  ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንበሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ምክልኻል ዶ/ር ኣብረሃም በላይን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሳቲፎም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዓብቲ ርክብ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ርክብ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ዕላምኡ ድማ ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተተግበረን ዘይተተግበረን ምድህሳስ ኮይኑ፡ እቲ ዘይተተግብረ ዝትግበረሉ ኣቕጣጫ ንምቕማጥ ምንባሩ ጠቒሱ ኣውንታዊ ምንባሩ ሓቢሩ። ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ ብወገን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕጂ ናብ ውግእ ናይ ምምላስ ድሌት ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ይዓቢ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

Last modified on Saturday, 04 February 2023 12:28