Print this page

ኣሜርካ ኤርትራ እትርከበን፡ ሃይማኖታዊ ኩነታተን ዝተሓሳስብ 12 ሃገራት ጠቒሳ

2022-12-04 12:21:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 596 times
Rate this item
(0 votes)

ኣሚሪካ፡ ኤርትራ ዘላተን ሃይማኖታዊ ኩነታተን ዝተሓሳስባ 12 ሃገራት ዘርዚራ። ናይ ኣሜሪካ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣንቶኒዮ ብሊንከን ነዚ ብዝምልከት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብተን ሃገራት፣ ዓለም ለኻዊ ሃይማኖታዊ  ነጻነት ምጥሓስን ኣብ ልዕሊ እምነትን ኣመንትን ገደባት ምጽዓንን  መለለይኤን ምዃኑ ጠቒሶም።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ እዛ ኣብዚ ሓድሽ ዝርዝር ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ በይና  ሰፊራ ዘላ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ኩሉ ሃይማኖት ዝግህስ ፍጻመታት ክትክሰስ ዝጸንሐት እያ። ነዚ ዘቃለዓ ድማ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ስለ ዝእሰሩን  እምነታት ድማ ኣደዳ እገዳን ዕጽዋን ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን ትካላቶም ክዕጸዉን ክዝመቱን ከም ዝጸንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጹ ከም ዝጸንሑ ኣብዚ ሓድሽ መግለጺ እውን ተዳህሲሱ’ሎ።

ኣብቲ መግለጺ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ብዝተፈላለዩ  ኣስማት፡  ሃይማኖት መሰረት ገይሮም ብረታዊ ምንቅስቓስ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት እውን ዝተጠቕሱ ኮይኖም፡ ናይተን 12 ሃይማኖታዊ ነጻናት ኣዝየን ዝግድባ ሃገራት ዝርዝር ድማ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራ ጥራይ ኮይና፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ሳዑዲ ዓረብያ፡ ታጃክስታንን ተርክሜንስታንን እየን።

ኣብ ኤርትራ ብመሰረቱ  ከቢድ ሃይማኖታዊ ግህሰታት ዝፍጸም ኮይኑ፡ ምስዚ ኩሉ ክንቀሳቐሳ ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት፡ ኦርተደኩስ ተዋህዶ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትን፡ ሎተራን ቤተክርስትያንን ሱኒ እስልምናን ጥራይ ምዃነን ኣብዚ ሓደሽ መግለጺ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ሰፊሩ። እዚ መግለጺ ብዘይካትን 12 ሃይማኖታዊ ጥሕሰታት ይረኣየን ዝተባህላ፡ ኣልጀርያ፡ ማእከላዊ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን እውን ቆላሕታ ከም ዝግበረን ተጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ኣሜሪካዊ ሓላፊ፡ ሃገሮም ብደረጃ ዓለም ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝረጋገጸሉ ኩነታት ንምፍጣር  ብቐጻሊ ከም ዝስራሕ ጠቒሶም፡ ምስተን ጥሕሰት ዝፍጽማ ሃገራት ዝግበር ዝምድና ንምምምሕያሽ ሃገሮም ከም እትጽዕር ከኣ ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ጐኒ ኣማኒ ህዝቢ ዘይኮነ፤ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኮይኖም ካብ ሕጊ ቃኖና ቤተ ክርስትያን  ወጻኢ ብህግደፍ ተመዚዞም ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ነቶም ን15 ዓመታት ተሓይሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝዓረፉ ኣቡነ ኣንጦኒዮስ ካብ ዝጠለሙ መራሕቲ ሃይማኖት ሓደ እዮም ተባሂሎም ክሕመዩ ዝጸንሑ፡ 5ይ ፓትርያርክ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ  ኣቡነ ቄርሎስ ብ2 ታሕሳስ 2022 ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ ኣሎ።

Last modified on Sunday, 04 December 2022 13:28