Print this page

ኣቡንን ካህናትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ተኣሲሮም

2022-10-17 08:58:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 758 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይትን ካለኦት ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ከም ዝተኣስሩ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዜና ናይ ኤርትራን ካብ ኤርትራ ወጻእን ምንጭታቱ ብምጥቃስ  ከም ዝሓበሮ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ብ15 ጥቅምቲ 2022 ካብ መገሻ ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እዮም ተኣሲሮም።

ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ንሓይልታት ጸጥታ ሓቲታ ማእሰርቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ከተረጋግጽ እንከላ፡ መእሰሪኦም ምኽንያት ግና ኣይተፈልጠን። ኣባ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ብመንፈሳዊ ሓልዮትን ፍቕርን እትናብዮ፡ መንግስቲ ከኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንህዝቢ ከገልግሎ ኣለዎ” ዝብል፡ መንፈሳዊ ማዕዳ ከቕርቡ ዝጸንሑ ኣቡን ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ኣባላት ጸጥታ  ኤርትራ፡ ንቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል፡ ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ  ብ11 ጥቅምቲ 2022 ካብ ሰገነይቲ ንደልየካ ኣለና ኢሎም ከም ዝወሰድዎም   ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም። ኣባ ኣብርሃም ንዝተባህሉ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ ድማ ኣብ ከተኣማ ተሰነይ ከም ዝኣሰርዎም ተፈሊጡ። እዞም ካህናት ኣብ ከምይ ኩነታት ከም ዘለዉን ስለምንታይ ከም ዝተኣስሩን ኣይተፈለጠን።

በቲ ሓደ ወገን ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን  መንግስቲ ኤርትራ ንዅሉ ዘማእከለ ዲሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጽ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑን ይፍለጥ። በቲ ካልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝን  ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ዶንቦስኮን  ከም ዝወረሰ  ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 17 October 2022 11:01