Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ምዝዛም ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ

2022-09-26 12:46:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 808 times
Rate this item
(0 votes)

ብተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ሰሚናር መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተዛዚሙ። እቲ ሰሚናር ኣብቲ ዝተኸፍተሉ ዕለት 23 መስከረም 2022 ብዛዕባ ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን እዩ ተመያይጡ። ቀጺሉ ድማ በቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ መሰረት ኣብተን ቀጸልቲ ክልተ መዓልታት ብዛዕባ፡ “ፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤን ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ደምበ ተቓውሞ  ኤርትራን” ብሰፊሑ ተመያይጡ።

ሰሚናር ንፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ዝምልከት፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝቐረብ ጽሑፍ ብ24 መስከረም 2022 ብሰፊሑ ተዛትይሉ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምይይጥ ምእታዉ ብዛዕባ’ቲ መመያየጢ ሰነድ ዝተዳለወሉ ኣገባብን ኣብኡ ዝሰፈሩ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታትን፡ ብጠርናፊ ናይታ ነቲ ሰነድ ዘዳለወት ሽማግለ ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ፡ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ። እቲ ሰነድ ብመንጽርቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ዝተቓነዩ ጉዳያት ዝሓዘ እዩ። ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈሩ ቀንዲ ነጥብታት፡ ናይ ወጻኢ ዝምድና፡ ኣህጉራዊ ዝምድና፡ ህዝባዊ ዲፕሎማስን ዝግበር ዝምድና ዝምስረተሉ መትከላትን ዝብሉ ይርከብዎም።

ተሳተፍቲ ሰሚናር  ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈሩ ሓሳባት መሰረት ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣልዒሎም’ ነቲ ሰነድ ዘህብትሙ ሓሳባት’ውን ኣቕሪቦም። ዝሓለፈ ተመኩሮታት ብምዝካር ኣብ መስርሕ ዝምድና ፍሉይ ጥንቃቐን ቆላሕታን የድልዮም ዝበልዎም ሓሳባት’ውን ኣዘኻኺሮም። ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት ብፍላይ ድማ ምስ ጐረባብትና ዝግበር  ዝምድናታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ብኸመይ ክቕጽል ከም ዝግበኦን ኣብ ዝምልከት ድማ  ተሳተፍቲ  ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ኣቕሪቦም።

ህልዊ ኩነታት ከባብና መሰረት ብምግባር ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሰሚናር ኣተሓሕዛ ሰልፍና ንዝምድና ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝምልከት ሰፊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብዚ እዋናውን ተሃዋስን ዛዕባዚ መሰረታዊ ፖሊሲ ዝምድና ሰዲህኤን ብትካላቱ ክውሰኑ ዝጸንሑ ውሳነታትን ዘይጻረሩ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሕዛ  ሓሳባት ቀሪቦም።   እዚ ጉዳይዚ ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ታራ ናይ  ጉርብትና ኣጀንዳ  ዘይኮነ፡ ሳዕቤኑ ንኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ስለ ዝኾነን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መንእሰያት ኤርትራ ይቕዘፉን ንብረት ኤርትራ ይዓኑን  ስለ ዘሎ፡  ኤርትራዊ ረብሓን ልኡላውነትን ብዘማእከለን ንፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናኡ ብዝዓቀበን፡ ኣብቲ ህግደፍ ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ ግደ ሰዲህኤ ክረጋገጽ ከም ዝግበኦ ተንጸባሪቑ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝግመት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣትወሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብወገን ኤርትራ ኣቢሉ ምስ ህግደፍ ሓቢሩ ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ እውን ኣስጋኢ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተሳተፍቲ ሰሚናር ነቲ ተግባር ኮኒነምዎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ኣካይዳ ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ነቲ ኩነታት ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝያዳ ኣስጋእን ሓደገኛን ከም ዝገብሮ’ውን ሰሚናር ስኽፍታኡ ኣቃሊሑ።  ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ 25 መስከረም 2022 ድማ “ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን” ኣብ ዝብል ናይ መወዳእታ ሰነድ  ተመያይጡ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምይይጥ ምእታው ናይታ ነቲ ሰነድ ዘዳለወ ሽማግለ ጠርናፊ፡ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብቲ ሰነድ ንዝሰፈሩ ኣገዳስቲ ነጥብታት፡ ብጽሒት ሰዲህኤ ኣብ መስርሕ ሓድነትን ኣድላይነት ሓባራዊ ዕዮን ብምጉላሕ መእተዊ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ ሓባራዊ ዕዮ ንሰዲህኤ መሰረታዊ ብምዃኑ  ከከም ምስ ውድባት ዘለዎ ናይ ኣረኣእያ ቅርበት ብደረጃታት ከም ዝሰርዖ ኣብሪሁ።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝገበሮም ናይ ሓድነት ጻዕርታት ዘኪሮም፡ እንተኾነ ብመንጽርቲ ዝተኻየደ ጻዕርን ዝወሰዶ ግዜን  ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ ውጽኢት ስለ ዘይተረኽቦ፡ ኣብ መጻኢ ዝግበር ሓድነታዊ ጻዕሪ ነዚ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን መዚኖም።  በብግዜኡ ይምስረታ ምስ ዘለዋ ሓደስቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝስለፋ፡ ኤርትራዊ ውዳበታትን ምንቅስቓሳትን’ውን ዝተጸንዐን ጥንቁቕን ርክባት ክግበር ሰሚናር ካብ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት  ሓደ እዩ።

ኣብ ምዝዛም ሰሚናር፡ ተሳተፍቲ ናብ መሪሕነት ዝተፈላለዩ  ለበዋታት ኣቕሪቦም።  ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ድማ፡  “ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታት ንምስዓር፡ ሰልፋዊ ሓድነት መተካእታ  ዘየብሉ  ናይ ዓወት ምስጢርና ብምዃኑ፡ ሓሳባካ ናይ ምግላጽ ናጽነትና ህያው ኮይኑ፡ ንሓድነትና  ከም ናይ ዓይንና ብሌን ክንሕልዋ ግድን እዩ” ኢሉ። ተሳተፍቲ ሰሚናር ንዘርኣይዎ ተሳትፎን ምክትታልን ከኣ ንኢዱ።

Last modified on Monday, 26 September 2022 14:49