Print this page

ካናዳን ብሪታንያን፡ ዜጋታተን ኣብ ኤርትራ ምንቅስቓሶም ክድርቱ ኣጠንቂቐን

2022-09-20 09:32:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 660 times
Rate this item
(0 votes)

ካናዳን ብሪታንያን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታተን ብጸጥታዊ ምኽንያት ምንቅስቓሳቶም ክድርቱን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩን ከም ከም ዝመዓዳ ካብ ሮይተርን ኤ ኤፍ ፒን ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። እዘን ሃገራት ናብዚ ስጉምቲ ዘብጸሓ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ምምዝባልን ሞትን ጠንቂ ዝኾነ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ምብርዑን ኤርትራ ድማ ዜጋታታ ናብ ዓውዲ ውግእ ንክኸቱ ኣጥቢቓ ተገድድ ምህላዋ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ካብ መንግስቲ ካናዳ ብ15 መስከረም 2022 ዝወጸ ምኽርን መጠንቀቕታን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ፡ ኣብ ርእሲ ምንቅስቓሳቶም ምድራት ብመራኸብቲ ብዙሃን ዝወሃብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ክከታተሉ ኣዘኻኺርዎም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓለዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲታትን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በቲ ወጺኡ ዘሎ ክተት ካብ ዝረሖም ወጺኦም ናብ ዓውዲ ውግእ ከይውሰዱ ስግኣት ከም ዘለዎም፡ ሓደ ስሞም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገለጽሉ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ኣስዒቡ ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ክልተ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣዝማዱ ናብ ውግእ ንክኸቱ ከም ዝተጸውዑን እንተዘይከቲቶም ግና ኣባይቶም ክውረስ ከም ዝኽእልን ከም ዝተሓበረ ጠቒሱሉ።

እቲ ካብ ብሪታንያ ዝተዘርሐ ተመሳሳሊ  መጠንቀቕታ ብ14 መስከረም 2022 ዝወጸ ምዃኑ እቲ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። ክልቲአን ሃገራት ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ፡ ተወሰኽቲ ሓጸርቲ ናይ ጥንቃቐ መልእኽቲ ከስዕባ  ከም ዝኽእላ ነንዜጋታተን ኣብፍሊጠን።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ተሪር ናይ ሓባሬታ ዕጽዋ ዝካየደን ሃገራት ብምዃና ነዚ ብዝምልከት ድምጻ ከም ዘይተሰምዐ ኤ ኤፍ ፒ ኣቃሊዑ።

ኤርትራ ኣብቲ መጀመርታኳ ብተደጋጋሚ ትኽሕድ እንተነበረት፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚራ፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሓይልታታ ከም ዘሰለፈት ክልቲኦም ማዕከናት ዜና ጠቒሶም።

Last modified on Tuesday, 20 September 2022 11:41