Print this page

ፖሓኤን ምዓለይን፡ ዝኽሪ መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም

2022-05-21 22:05:28 Written by  ሓይሊ ዕማም መዲያ ፖሓኤ Published in EPDP News Read 905 times
Rate this item
(0 votes)

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ምንቅስቓስ ዓለምለኸ ይኣክል (ምዓለይ)ን  ብ21 ጉንበት 2022 መበል 31 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብሓባር ጸንቢሎም። ኣብዚ ኣባላት ክልቲኡ ኣካላትን ካለኦት ግዱሳት ኤርትራውያንን ዝተሳተፍዎ ጽንብል ነቲ መደብ ካብ ዝሰርዑ ኣካላት ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይ ብትግርኛ ሓው እድሪስ ሁመድ ድማ ብዓረብኛ ናይቲ ጽንብል መደባት ብምሕባር መእተዊ ቃል ኣስሚዖም።   

ኣብዚ ጽንብል ኣቶ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ኣተሓባባሪ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣቶ ሰገድ ሓጐስ ኣቦመንበር ምንቅስቓስ ዓለም ለኸ ይኣክልን ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብዝምልከት ብትግርኛ ቃል ኣስሚዖም። ኣቶ ነጋሽ ዑስማን ኣቦመንበር ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድማ  ንቃል ፖሓኤ ብዓረብኛ ኣቕሪቡ። እዞም ሓጺር መደረ ዘቕረቡ ሓለፍቲ ነቲ መድረኽ ንዝወደቡ ድሕሪ ምምስጋን፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝተኻየደሉን ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉን ቃልሲ ስለ ዝኾነት ዓብይ ክብሪ ዝግበኣ ምዃና ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽርቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ድሕሪ ናጽነት ብሰንክቲ ግጉይ መንገዲ ዝመረጸ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓርነቱ ተረጋጊጹ ኩሉ መሰላቱ ክኽበረሉ ዝነበሮ ትጽቢት  ክረጋገጸሉ ከምዘይከኣለ ኣስፊሖም ገሊጾም።

 እቲ ጸገምን ወጽዓን  ሕጂ እውን ካብ እንግደዓ እቲ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይወረደ፡ ንምንጋፉ ኩሎም ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘገድሶም ኤርትራዊ ወገናት ብሓባር ክቃለሱ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃል ክኣትዉ ከም ዝግበኦም እውን ጸዊዖም።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ብሰንኪ ምእታዉ ብዙሓት ኤርትራውያንን ተጋሩን መንእሰያት ኣብ ርእሲ ምጥፋኦም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ቅርሕንቲ ከም ዝተፈጥረን ነዚ ናብ ንቡር ንምምላሱ ቃልሲ ከም ዝሓትትን ገሊጾም። ምስዚ ብምትሓሕዝ ከኣ  ነዛ ኣገዳሲት መዓልቲ ብሓባር ምዝካር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ብሓባር ናብ ዘቃልስ መድረኽ ምምዕባሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ጠቒሰም።

ናይቲ ጽንብል ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶታት ድማ ንኽብሪ መዓልቲ ናጽነትን ኣብኣ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ጠቒሶም፡ ክልቲኡ ኣካላት ብሓባር ምጽንባሉ ኣብ መጻኢ ብሓባር ንምቅላስ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ንክድፈኣሉ ከም ዝግባእ ተላብዮም። እቲ መደብ ብዘይካቲ መደረታት ብሃገራዊ ደርፍታን መሳጢ ግጥምታት እውን ዝተስነየ ነይሩ። ኣብቲ ጽንብል ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከናት ተረኺበን ነቲ በዓል ዝግባእ ሸፈነ ሂበንኦ ምምሳየን ፍለጥ።  

Last modified on Sunday, 22 May 2022 00:10