Print this page

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣኼባ ኣካይዱ

2022-02-16 08:22:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 706 times
Rate this item
(0 votes)

ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ15 ለካቲት 2022 ብመንገዲ ዙም ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ ኣኼባኡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንዘበገሶም ስራሓትን ካብ ኣኼባኡ ንደሓር ዝተዓሙ ስረሓት መዚኑ፡ ካብ ዓመታዊ ውጥን ብምብጋስ ከኣ፡ ኣብ መጻኢ ክሰላሰሉ  ዝግበኦም መደባት  ድማ ተሊሙ።

ዝሓለፈ ስረሓቱ ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ መደባት ዝርጋሐ ኣብ  መርበብ ሓበሬታ ሓርነት፡ ምድላው መጽሐት ሓርነትን ብመገዲ ዩቱብ ዝዝርጋሕ ዘሎ ቦታዊ ናይ ርድዮ ፈነወታትን መደብ ባህግናን ዘለዉዎ ደረጃ መዚኑ። ኣብ መጻኢ ዝሕይልሉ መንገዲ ከኣ ርእዩ። ብፍላይ ኣብቲ ንመደብ ዩቱብ ባህግና  ዝምልከት፡ ዘካየዶ ፍሉይ ምይይጥ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ርእዩ። በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ንምዕቃብ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምብራኽ፡ ዘድሊ  ሓይሊ ሰብን ዝተፈላለዩ መሳርሕታትን ዝምልከት ድማ ተመያይጡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ  መደባት ዜና ካብቲ ዘለዎ ንኽብርኽ ሰማዕቲ ኮኑ ኣንበብቲ  ኣብ ምዝርጋሕ ልዑል ምትሕብባር ንክገብሩ ጸዊዑ። ኣብ ኩሉ ሚድያታት ሰዲህኤ ከበርክቱ ከኣ ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካዚ ኣብ መጻኢ ዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ ከተኩረሉ ዝግበኦ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ዝምልከት ተመያይጡ።  ኣብ መወዳእታ ድማ ውሽጣዊ ዓቕሚ ንምምዕባል ተመኩሮ ናይ ምልውዋጥን ንኡሳን ስልጠናታት ዝወሃበሉ መደባት ምስራዕን ከም ዘድልን ተረዳዲኡ።

Last modified on Wednesday, 16 February 2022 09:40