Print this page

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ትካላት ረዲአት ስረሐን ኣቋሪጸን

2022-01-10 22:03:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 815 times
Rate this item
(0 votes)

Aid Institutions 1

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 ናብ ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡  ብዝበጽሐ ኣፈናዊ ሓበሬታ መሰረት ብ7 ጥሪ 2022 ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ደደቢት ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝተዓቖብሉ ቦታ  ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዝተፈጸመ ተፈሊጡ። በቲ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ፡ ብዙሓት ስቪላት ከምዝተቐተሉን ከምዝተጎድኡን ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ገሊጹ። ነዚ ዘሰንብድ ተግባር ተኸቲለን ኣብቲ ከባቢ ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ሰብኣዊ ረዲአት ተግባራተን ከቋርጻ ከም ዝተገደዳ ከኣ እቲ ካብ ኤኤፍፒ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ግዳያት ንምሕካም ዘኽእል ሕክምናዊ ናውትን ኣፋውስን ክርከብ ከምዘይተኽኣለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት መሰል ሰላማውያን ሰባት ከኽብሩ እቲ ሰብኣዊ ትካል ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።  ኣብዚ ዜና ከም ዝተሓበረ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ስርዓተ-ሕክምና ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ እዩ።

ሮይተርስ ብወገኑ ንሰራሕተኛታት ረዲአት ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡  ብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ተመዛበልቲ  ዝተፈፀመ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ 56 ሰባት ተቐቲሎም  ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ ደብዳብኳ ብቐጥታ ዝሃቦ ምላሽ እንተዘየለ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ናይ ሓይልታት ትግራይ መደበር ታዕሊም ኣብ ዝበሎ ቦታ ዕዉት ደብዳብ ኣካይደዱ ኣብ ልዕሊ ተዓለምቲ ጉድኣት ኣውሪደ ክብል ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜናኡ ከይተረፈ ሓቢሩ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት  ዩኒሴፍ ብወገኑ፡ ነቲ  ኣብ መጽለሊ ተመዛበልቲ ዝተፈፀመ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ሰብኣውነት ዝጥሕሰ እዩ ብዝብል ከም ዝኾነኖ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዩኒሰፍ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ  መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ደብዳብ እውን ቁጠዐኡ ገሊጹ እዩ።

ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎረ ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት  ዘውጽአኦ መግለጺአን፡ እቲ ዒላማ ደብዳብ ዝኾነ፡  ኣብያተ ትምህርቲ ወሲኹ ተመዛበልቲ ህጻናትን ስድራ ቤቶምን ዘዕቆብሉ ቦታታት፡  መደበር ስደተኛታትን፡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝወሃብሎም ሲቪላዊ ቦታታትን እዮም ኢለን። ነዞም ሲቪላዊ ቦታታት ኣብ ክንዲ ምሕላውን ምክልኻልን ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕትታት ምፍጻም ድማ፡ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነት ከም ምጥሓስ ዝውሰድ  እዩ  ኢለን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ማይዓይኒ፡ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ክልተ ህፃናት ዝርከብዎም ሰለስተ ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Monday, 10 January 2022 23:13