Print this page

ዘስካሕክሕ ደብዳብ ከተማ ኣላማጣ

2021-12-17 13:21:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 930 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ እትርከብ ከትማ ኣላማጣ ብ16 ታሕሳስ 2021 ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብነፈርትን ሰብ-ኣልቦ ድሮናትን ብዘካየዶ ደብዳብ 28 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 76 ሰባት ከኣ ብኸቢድ ከም ዝቖሰሉ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ትግራይ ሓቢረን። ማይቪው (mayview) ዝተባህለት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ እትከታተል ዘይኢትዮጵያዊ መርበብ ዩቱብ እውን እቲ ደብዳብ ከም ዝተኻየድ ሓቢራ ነቲ ዘጋጠመ ጉድእት ኣረጋጊጻቶ።

ኣብዚ እዋንዚ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣካይደን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉኣት የውርዳ ኣለዋ። እዚ ናይ ኣላማጣ ደብዳብ  ግና ኣብ ርእሲቲ ውግእ ኣብ ዘይካየደሉ፡ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝተፈጸመን ብሓንሳብ ብዙሓት ምስቲ ውግእ ምትእስሳር ዘየብሎም ሲቪል ሰባት ዝሞቱሉን ዝቖሰልሉን ምዃኑን ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦ ብዘሓት  ምስ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ  ሓውዜ ዘጋጠመ ህልቂት የዛምድዎ ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ዘህዝንን ክውገዝ ዝግበኦን ተረኽቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየውጸአ፡ ናይቲ መንግስቲ ደገፍቲ ዝኾና ማሕበራዊ ሚድያታት ግና፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ከም ዝተፈጸመ እንዳተኣመና፡ ዒላማኡ ግና ኣጽዋዝ ዝተኸዘነሉ ቦታ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውረደ ከምዘይኮነ ኣምሲለን ይገልጻ ኣለዋ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሳዕቤን ኣቐዲሙ ይግንዘቦ ነይሩ። በዚ መሰረት ከምዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ጉድኣቱ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያ ከይተለሓመ፡   ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ  ፍሉይ ኣኼባ፡ ንኩነታት ኣገናዚቡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።”  ዝብል ዝርከቦ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ይዝከር።

ሎሚ እውን ውግእ ምቕጻል ጉድኣት፡ ህልቂትን ዕንወትን ምዝያድ እምበር መፍትሒ ኣየምጽእን እዩ። ስለዚ  ኩሎም ወገናት ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ናብ መኣዲ ዘተን ልዝብን ክቐርቡ፡ ከምኡ እውን ነቲ ውግእ ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ቀረባት ርሑቕን ሓይልታት ካብ ተግባሮም ክቑጥቡ ጸዋዒት ሰዲህኤ ህያው እዩ።

Last modified on Friday, 17 December 2021 14:26