Print this page

ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ

2021-11-29 05:18:05 Written by  EPDP NA INFORMATION OFFICE Published in EPDP News Read 1191 times
Rate this item
(0 votes)

ቀዳም 27 ሕዳር 2021 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ ሓንቲ ላፕ-ቶፕ ኮምፕዩተር (Laptop Computer) ኣብ ዕጫ ኣውዲቑ። ጉባኤ ዞባ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ወፈያ ገንዘብን ንዕጫ ዝወድቕ ኣቕሓ ክቕረብን ብዘጽደቖ ዉሳኔ እዩ እቲ መደብ ተኻይዱ። በዚ ኣገባብ ኣታዊ ዝኸውን ገንዘብ ንማሕበራውን ውደባውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት ሰልፊ ንምዕዋት ዝውዕል እዩ።

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እዛ ላፕ-ቶፕ ኮምፕዩተር (Laptop Computer) ኣብ ዕጫ ክትወድቕ መደብ ምስተለመ ኩሎም ኣባላት ብጻዕቒ ተዋፊሮም ስድራቤትን ፈተውትን ከም ዝሳተፉ ብምግባር ኣዝዩ ዕዉት መደብ ከምዝኸውን ጌሮም። ኩሎም ቲኬት ዝገዝኡ ፈተውትን ደገፍቲ ሰልፍናን ዝተዓደምሉ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝነበረ ናይ ዙም ኣኼባ፡ ኣኼበኛታት እናተመልከቱ ዕጫ ወዲቓ ኣብ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ዝተሸጠት ቲኬት ቁጽሪ 763175 ተዓዊታ።    

ሓንቲ ላፕ-ቶፕ ብ $500 (ሓሙሽተ ሚእቲ ቅርሺ ኣሜሪካ) ዝተገዝአት 675 ቲኬታት ብ $10 (ዓሰርተ ቅርሺ ኣሜሪካ) ብምሻጥ ልዕሊ $6,000 (ሽዱሽተ ሽሕ) ኣታዊ ክትገብር ክኢላ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንኹሎም እቶም ኣብ ንጥፈታት ናይዚ ዕጫ ብጻዕቂ ዝተዋፈሩ ኣባላትን፡ ዕጫ ብምግግዛእ ወፈያኦም ዘበርከቱ ዜጋታትን ልዑል ምስጋናኡ የቕርብ። ኣብ ዝመጽእ ተመሳሳሊ መደባት ሓገዝ ናይ ፈተውትን ደገፍትን ከምዘይጋደፈና ምሉእ እምነት ኣሎና።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ። 

የቐንየልና።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

11-28-2021

Last modified on Monday, 29 November 2021 06:25