Print this page

ሓድነትና ሓይልና’ዩ እሞ፡ ንዓቅቦ

2021-07-12 19:54:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1661 times
Rate this item
(0 votes)

ኤርትራ ብናይ ኩልና ደቃ ቃልሲ እያ  ነጻ ሃገር ኮይና። ክሳብ ሎሚ ተዓቂባ ዘላ እውን  ሳላ ኩልና “ኣለናልኪ” ዝበልናያ እያ። ካብ ምንጋጋ  ጉጅለ ህግደፍ ኣናጊፍካ፡ መጻኢ ናይ ምልመዓን ሓራ ናይ ምውጸኣን ዕድል እውን ብናይ ኩልና ደቃ ኣበርክቶ እዩ ዝውሰን። ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ናብዚ ሃገርካ ናይ ምውሓስ ደረጃ ዝበጻሕና ሳላ ሕደነትና እዩ። መጻኢና እውን ካብ ሓድነትና ወጻኢ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓድነትና ክንብል እንከለና ናይ ሓባር ቃልስና ንምሕያልን ንምውህሃድ’በር፡ ብዙሕነትና ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ “ንሕና” ኢና እንብል። እዚ ንሕና ከኣ መርኣያ ጽንዓትናን ሐድነትናን እዩ። ብዛዕባ  ብዝሑነትና ክንዛረብ እንከና ከኣ ነቲ “ንሕና” ብዘይጻረር “ንሕና፡ ንስኻትኩም ንሳቶምን” ንበሃሃል። ኣብዚ እውን ከምቲ “ሓድነትና ሓይልና እዩ” ዝበልናዮ ወትሩ “ንሕና” ዝያዳ “ንሕናን ንስኻትኩምን” ኣብ ዝበረኸ  ክንሰርዖ ይግበኣና። እዚ ኣሰራርዓዚ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና ናብ ዞባና ዝቋመት ኣዒንቲ ዝበዘሓሉ ተሃዋሲ እዋን፡ ናይ ምድላይን ዘይምድላይን ዘይኮነ፡ መተካእታ ዘይብሉ ግድነት ምዃኑ ክንግንዘቦ ይገበኣና።  ምኽንያቱ ዘለናዮ እዋን ብዘይሓድነትን ምትሕብባርን ንምስጋሩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን።

ሓቢርካ “ንሕና ኣለና” ምባል፡ ኣብዚ ምእንቲ ለውጢ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ወሳኒ እዩ። ካብዚ እምንቶ’ዚ ስለ እንነቅል ኢና እውን፣ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ምእንቲ ሓድነትን ተወሃሂድካ ምቅላስን ብዘይምስልካይ እንጽውዕን ምእንታኡ ዓቕምና ዘፍቀዶ እነበርክትን። ኣብ ኤርትራ ኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ከባቢና ዝገሃድ ምዕባለታትን ጽልዋታቱን ከነምሓድር እንከለና እውን፡ ካብዚ ቀንዲ መሳሪሕናን ምንጪ ሓይልናን ዝኾነ ሓድነት ፈጺምና ፈልከት ክንብል ኣይግበኣናን። እቲ ጽልዋ ንብሎ ዘለና ብሱዳን ድዩ ብትግራይ ወይ ብየመን ድዩ ብጅቡትን ሱዕድያን ክመጽእ ዝኽእል እዩ። ካብዚ ብዝሰፈሐ እውን ዞባዊ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል። ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከም ህያው ኣብነት ወሲድና “ሓድነትና ሓይልና እዩ” ዝብል ከይዘንጋዕና ከም ሓደ ዕዙዝ ኣቓልቦ ዘድልዮ፡ ጉዳይ ጐረቤት ከነመሓድሮ ናይ ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን ዓቕምና ዝፍትን ተረኽቦ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካቲ ሓድነትና ዝግለጸሉ ልኡላውነትና፡ ብዙሕነትና ዝረአየሉ ሃይማኖታት፡ ኣውራጃታት፡ ቁንቋታትን ባህልታትን እውን ኣለና። እዚ ኤርትራዊ መግለጺ ብዙሕነትና’ዚ ካብቲ ኣብ ሕድሕዱ ዝዛመዶ ብዘይትሕት፡ ምስ ኣብ ጐረባብትና ዘሎ መግለጺ ብዙሕነታት ተመሳሳልነት፡  ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ኣብ በበይኑ ኩርነዓት ኤርትራ ዝነብር ህዝብና፡ ምስቶም መዳውብቱ ደቂ ካልእ ልኡላዊት ሃገር ዘለዎም ርክብ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ምዕራብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምስ ሱዳናውያን ብቋንቋ ክረዳድኡ ይኽእሉ። ብእምነት እውን ይመሳሰሉ። ኣብ ደቡብ፡  ደቢባዊ ምብርቕን ምዕራብን ኤርትራ ዝነብሩ ዜጋታትና ምስ ኣብ ትግራይን ዓፍርን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ምቅርራብ’ውን ከምኡ እዩ። እዚ ምቅርራባት’ዚ ዝፈጥሮ ዝድምድና ግና፡ ካብ ማሕበረ-ባህላዊ ዝምድና ሓሊፉ ልኡላዊ ዶባት ዝጥሕስን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ኣይኮነን።

ነዚ ብባህላዊ፡ ቋንቋውን ንግዳውን ዝምድና ዝሃብተመ ርክብ፡ ልኡላዊ ዶብ ክሃሲ ናብ ዝኽእል ደረጃ ክትመጦ ምፍታን፡ ኩሉቲ ካልእ ሳዕቤናቱ ገዲፍካ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ፡ ብእዋኑ ክግታእ ዝግበኦ እዩ። እዚ ብዙሕ ዘመሳስል እናሃለወካ ናይ በበይነን ልኡላዊ  ሃገራት ዜጋታት ምዃን ኣብ ናይ ብዙሓት ሃገራት ተመኩሮ ዘሎ እምበር፡ ኣባና ጥራይ ዘጋጠመ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርን  ሓድነት ህዝብን ክለዓል እንከሎ፡ ኤርትራውያን ኣብ ክንድቲ ምስቲ ስግር ዶብ ዘሎ  ዘመሳሰሎም፡  ዋላ ብቋንቋን ካልእን ይፈላለዩ፤ ምስቲ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዘሎ ዜጋኦም እዮም ዝዋስኡን ዝስለፉን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ልኡላውነትን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል እዩ። እቲ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ ኩርናዕ ዘሎ ክሕጐስን ክዕወትን እንከሎ፡ ኣብቲ ካልእ ኩርናዕ ዘሎ’ውን ሓቢሩ ይቐስን። ብተመሳሳሊ ሓደ ኤርትራዊ ክህሰይን ክሓዝንን እንከሎ እውን እቲ ኣብ ካልእ ኩርናዕ ዘሎ ኣይቀስንን። ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱመራ፡ ካብ ተሰነይ ክሳብ ዓሰብ ወይ ካብ ሳሕል ክሳብ ዛላንበሳን መረብን ዝዝርጋሕ ኤርትራዊ ኣብ ሉኣላውነት ኰለንተናኡ ሓደ እዩ። ጾር ናይ ኣብ ሓደ ውሱን ኤርትራዊ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ  ናይ ኩሉ ሰከም እዩ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ካብቲ ዲክታተር ኢሳይስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና ዝፈጠርሉ 2018  ጀሚርና ዝጠርጠርናዮን ዝሰጋእናሉን እምበር ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ጽልዋኡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ቀሊል ከምዘይከውን ተገንዚብና፡ ካብ ሽዑ ጀሚርና እቲ ዝምድና ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ነናትና ግምታት ከነንብር ጸኒሕና። እዚ ሎሚ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ምዕባለ ከኣ ምስ ናይ ገሌና ግምት ዝመሳስል፤ ምስ ናይ ገሌና ድማ ዝረሓሓቕ ክኸውን ይኽእል። እቲ ጉዳይ ሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ዝገድፈና ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “መጻኢኸ ናበይ ገጹ ክምዕብል እዩ? በመኸይከ ክንሕዞ ይግበኣና?፡ ምስቶም ዝዋስኡ ዘለዉ ኣካላትከ ብኸመይ ንዛመድ?” ኢልና ንሓትት ዘላና። ኣብ ናይዚ ሕቶታት መልሲ ፍልልያት ከም ዘለና ድማ መድረኽ ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ።

እዚ ጉዳይ ኣብ መጻኢ ኤርትራዊ ሰላም፡ ምርግጋእ፡ ሓድነትን ልኡላውነትን ጽልዋኡ ቀሊል  ስለዘይኮነ፡ ከም ኤርትራውያን ግቡእ ጠመተ ክንገብረሉ ግድን እዩ። እንህቦ ሚዛናት ክፈላለ’ኳ ውሁብ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ብሓድነት ክንዓሞ ዝጽበየና ዘሎ ብዘይዕንቅፍ ከነመሓድሮ ክንበቅዕ ድማ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ኣዝዩ በዳሂ ሓላፍነት እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ናይዚ ጉዳይ ብዙሓት ተመጠጥቲ ጫፋት ንዕዘብ ኣለና። ካብዞም ጫፋት ንሓደ ጥራይ መዚዝካ ምኻድ ሃሳዪ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ካብዚ ሃሰያ ንምድሓን ናይ ተረኽቦታት ኣተሓሕዛና፡ ኤርትራዊ ሓድነትናን ረብሓናን ዝዓቀበን ርትዓውን ክኸውን ይግበኦ። ንናይ ሎሚ ተረኽቦ ጥራይ በይኑ መዚዝካ ብስምዒት ምሓዝ  ዘይኮነ፡ ንናይ ትማሊ እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ክንበቅዕ ይግበኣና። ምኽንያቱ ትማሊ እንተዘይህሉ ሎሚ ክህሉ ስለ ዘይክእል። ንጉዳያት ሓንቲ ሓረግ ወይ ቃል ብምምዛዝ ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣብ ግምት ብዘእተወ ምምዛን ክኸውን ይገባኦ።

Last modified on Monday, 12 July 2021 21:58