Print this page

ሰራሕተኛታት ረዲአትን፡ ነበርቲ ተጎጋን ግዳይ ኮይኖም

2021-06-28 20:05:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1169 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ክልል ትግራይ ሰራሕተኛታት ዓለም-ለኸ ትካል፡ ዶብ ኣልቦ ሓካይምን ነበርቲ ቁሸት ተጎጋን ንዕዳጋ ዝተኣከበ ህዝብን፡ ግዳያት ከም ዝኾኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓቢሮም። ብሰንክዚ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቅትለት ኣብ ተጎጋ ካብ 60 ንላዕሊ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝተገድኡን ክፍለጥ ተኺኢሉ’ሎ። እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ከኣ ሰለስተ እዮም።

ትካል ደብ ኣልቦ ሓካይም ከም ዝገለጾ፡ ብ24 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ብጉዳይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ስፐይናዊትን ሰራሕተኛታቱ “መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት” ብዝበሎ ኣካላት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። እቶም ካብታ ዝጐዓዙላ ዝነበሩ መኪና ቁሩብ ርሒቖም ሞይቶም ዝተረኽቡ ግዳያት ደቂ 31 ዓመት ኢትዮጵያውያን ዮሐንስ ሓለፎምን ቴድሮስ ገብረ ማሪያምን ከም ዝበሃሉን፡ ስም ናይታ ምስኣቶም ዝሞተት ጓል 34 ዓመት ስፐይናዊት ከኣ  ማሪያ ኽርናንዴዝ ከም ትብሃልን ናይቲ ትካል መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ናይቲ ትካል በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ ገሊጹ፡ እዞም ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ጽጉማት ዝሕግዙ ዝነበሩ ሰባት በዚ ኣገባብ ይጠፍኡ ኢልካ ምግማት ከም ዘጸግም’ውን ጠቒሱ።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀምር ኣትሒዙ ጽጉማት ክሕግዝን ናይ ጥዕና መሳርሕታት ክልግስን ዝጸንሐ ግብረ-ሰናይ ትካል እዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ ቅትለት “መን እዩ ፈጺምዎ?” ንዝብል ሰራዊት ምክልኻል ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ሕድሕድ ይካሰሱ ምህላዎም ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብ22 ሰነ 2021 ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ንወገን ምዕራብ 25 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት ተጎጋ ዕዳጋ ሰሉስ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ደብዳብ ኣካይደን ሓያሎ ንጹሃት ሲቪል ከም ዝቐተላ ተፈሊጡ። ዝተፈላለዩ ወገናት ንቁጽሪ ምዉታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት የቕርቡ ኣለዉ። ናይ ረፈራል ሆስፒታል ዓይደር ምንጭታት ካብቶም ግዳያት ህጻናት ከም ዝርከብዎም ጠቒሶም ንብዝሒ ግዳያት ኣብ ዝምልከት ከኣ  60 ዝሞቱ፡ ዝቖሰሉ ከኣ ኣስታት 200 ምዃኖም ኣቃሊዖም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዕለትን ቦታን ደብዳብ ከም ዘካየደ ተኣሚኑ፡ እንተኾነ እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ዘኽብሩ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኣይኮነን ዝብል መጎት ከቕርብ እዩ ፈቲኑ። እንተኾነ እቶም ዝቖሰሉ ህጻናት እውን ከም ዝነበርዎም ሓካይም ስለ ዝመስከሩ እቲ ምኽንያት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ሕብረት ኢውሮጳን ካለኦት ሰብኣዊ ትክላትን ብወገነን ነቲ ተረኽቦ ኮኒነን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መብርሂ ንኽህብ ሓቲተሞ ኣለዉ።

Last modified on Monday, 28 June 2021 22:08