Print this page

ምምሕዳር ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2020-07-26 21:19:21 Written by  ክፍሊ ዜና  ዞባ ኤውሮጳ Published in EPDP News Read 2094 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት ብ24 ሓምለ 2020 ምምሕዳር ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።  ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ  ኣብ መንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ዝጠልቦ ሓድነታዊ ዕማምን ቀዳምነታት ሂቡ ክካየድ ዝጸንሔ ልዝብ ብስኒትን ኣብ ሓደ ሰልፊ ምምጽኡን  ዘረጋግጽ ደምዳሚ መግለጺ ብዕለት 20.05.2020 ከምዘበሰረ ዝዝከር እዩ። ንዝተበጽሔ ሓድነታዊ ስምምዕን ዝሰዓቦ ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባትን ምርኩስ ብምግባር ድማ እዮም፡ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ክነጥፉ ዝጸንሑ  ኣካየድቲ ሽማግለታት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ተጠቂሱ ዘሎ ኣኼባ ዘካየዱ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ምምራሕ ዝጸንሔ ክልቲኡ ሽማግሌታት ዞባ ኤውሮጳ  ቀዳምነት ሕድሕድ ንምልላይን ብስርርዓዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዝተማሓላለፈ መምርሒ መሰረት ድማ ዝጸንሔ ምምሕዳራት ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ናይ ስራሕ ቦታታት ዳግመ ምምቕቓል ንምክያድ እዩ ነይሩ።

ኣኼባ፡ ቅድሚ ዝሓዞ ምዱብ ዛዕባታት፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ኣትይዎ ዘሎ ናይ ምትሕንፋጽ ሓድነታዊ ኣብነታዊ ዝኮነ ጉዕዞን ደምበ ተቃውሞ ሓቢሩ ክሰርሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ብዝምልከት ኣገዳሲ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ኣካይዱ። ድሕርዚ ምምሕዳር ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ብሰለስተ ኣባላት ተወሰኺ ሓይሊ ሰብ ክሰፍሕ ከሎ፡ ብኡ መጠን ድማ ሓድሽ ናይ ስራሕ ምምቕላል መደባት ኣታኣታትዩን  ናይ መጻኢ ዕማማት ተሊሙን ሓሙሻይ ኣኼባ ምምሕዳር ሽማግለ ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 26 July 2020 23:24