Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ እስራኤል ንውድብ ዝኸውን ወፈያ ኣበርኪቱ

2020-07-10 19:16:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2113 times
Rate this item
(0 votes)

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል (ሰዲህኤ) ብ7 ሓምለ 2020 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብዛዕባ፡- 

  1. ጉዳይ ሓድነትን ምትሕንፋጽን ናይ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት፤ (ሰዲህኤን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን)
  2. ጉዳይ ወፈያ፤
  3. ጉዳይ ወርሓዊ ውጽኢት፤
  4. ምዝጋሕን ምክፍፋልን  መጽሓፍ  ኣቶ  ረዘነ ተስፋጽዮን… ዘትዮም።

ኣኼበኛታት ኣብ’ቲ ን2 ሰዓታት ዝቐጸለ ዝርርብ ንውድብ ዝኸውን 1050 ዶላር ሓገዝ ኣወፍዮም። እዚ ወፈራ’ዚ ድማ ጌና ኣብ’ቶም ናብ ኣኼባ ክመጹ ዘይከኣሉ ኣባላት፣ ከምኡ’ውን ናብ’ቶም ኣዕሩኽን ደገፍትን ናይ ሰዲህኤ ዝዀኑ ኤርትራውያን ክቕጽል ምዃኑ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ ብ29 ሰነ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብመሪሕነታት ጨናፍር ክልቲኡ ውድባት ዝጀመረ ምትሕንፋጽ፡ ብ7 ሓምለ 2020 ንኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር ብምትሕንፋጽ ብዓወት ከምእተዛዘመ ምንጪታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ኣኼባ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዙም (ኤለክቶሮኒካዊ መራኸቢ) ኢዩ ተኻይዱ።

Last modified on Friday, 10 July 2020 21:23