ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብዘሎ ግዜ ዘካየድዎም ሃገራውን ሰልፋውን ዕማማት ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን ኣኼባታት ክርእዮም ዝጸንሐ እዃ እንትኾኑ፣ ካብ ዘስፈሮም መደብ ስራሓት ብተግባር ዝተሰላሰሉን ገና ኣብ መስርሕ ፍጻሜ ዝርከቡ ውጥናትን ንምግምጋም ብዕለት 26 ሰነ 2020 ኣኼባ ምክያዱ ካብ ኣቦ መንበር ኣካያዲ ሽማግለ ድሒሩ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ዝተኻየደ ኣኼባ 8 ኣባለት ካብ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፣ ድሕሪ እዋናዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውም ብሓፈሻን ምዝርራብ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ምዝርራቦም እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኣብ ጉዕዞ ስደቶም፡ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሊብያን ከይበጽሑን ምስኣተዉን ብዘጋጥሞም ብሓፈሻኡ ናይ ሞትን ሂይወትን ኩነት፣ ማሕበራውን ስነ-ኣእምራውን ሃሰያ፡ በደላት፣ ውርደትን ሕሰምን ወሪድዎም እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጸበጽሑ ውን ከምቲ ዝተጸበይዎን ዝባሃግዎን ስለዘይኮነሎም፡ ስደት ከቢድዎም ስለዘይጠዓሞም፣ ብቁጽርስ እቶም ዝመሃሩን ዝሰርሑን ዘለዉ ዉሑዳት ምዃኖም ኣኼባ ርእዩ። ብሰሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኣብ ስደት ነብሰ ቕትለት ዝፍጽሙ ኤርትራውያን መንእሰያት ዉሕዳት ኣይኮኑን። ስነ-ኣእምራዊ ሕማማት ኣሕዲሮም ዝሳቀዩ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ማለት ቀሊል ኮነ ፍኲስ ገበናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ውሕዳት ዘምዃኖምው ሽማግለ ተመልኪቱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፣ እቶም ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ቃልሲ ዝግደሱ መንእሰያት ኤርትራውያን ውሑዳት ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ተካእቲ ወለዶታት ንኽኮኑን ክሳብ ሕጂ ዘየብቓዓና ምኽንያታት ወጊድና፡ ኣሰር ጀግንነትን ሃገራውነትን ዝሓለፈ ወለዶ ንምኽታል ሓያል ጻዕርን ምንቅስቓስን ከም ዘድሊ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ኣጽኒዑ።
ኣኼባ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተዓወቱ ዕማማትን ንዘዐወትዎም ኣባላት ሽማግለን ኣፍልጦ ብማሃብ፡ ንዘጋጠሙ ናይ ቃልሲ ዕንቅፋታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም መሊኦም ዘይተሳለጡ ትልሚ ስራሓትን ድሕሪ ምምማይ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ብሓላፍነት ንዝተዋህቦ መደብ ስራሕን ንዝተመዘዘሉ ክፍልን ብተናጸል ኮነ ብሓባር ንምዕዋት ክሰርሕ ናይ መጻኢ ትልሚ ዕማማት ብምስራዕ ደምዲሙ። ብዘይካዚ ነዚ ኣካላዊ ርክባትን ኣኼባታት ከይግበር ከሊኡ ዘሎ ምኽንያታት ንምስዓር፡ ኣሎ ዝባሃል ዘመናውን ስሉጥን ናይ ርክብ መስኖታት ክጥቀምውን ወሲኑ።