Print this page

ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ

2020-07-06 21:15:23 Written by  ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ Published in EPDP News Read 2172 times
Rate this item
(0 votes)

ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብዘሎ ግዜ ዘካየድዎም ሃገራውን ሰልፋውን ዕማማት ኣብ ስሩዕን ዘይስሩዕን ኣኼባታት ክርእዮም ዝጸንሐ እዃ እንትኾኑ፣ ካብ ዘስፈሮም መደብ ስራሓት ብተግባር ዝተሰላሰሉን ገና ኣብ መስርሕ ፍጻሜ ዝርከቡ ውጥናትን ንምግምጋም ብዕለት 26 ሰነ 2020 ኣኼባ ምክያዱ ካብ ኣቦ መንበር ኣካያዲ ሽማግለ ድሒሩ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ዝተኻየደ ኣኼባ 8 ኣባለት ካብ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፣ ድሕሪ እዋናዊ ኲነታት ሃገርን ደምበ ተቓውም ብሓፈሻን ምዝርራብ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ህዝባውን ማሕበራውን ጉዳያት ምዝርራቦም እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ ኣሎ።

  1. ኲነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኤውሮጳ መንእሰያት ኤርትራውያን ተካእቲ ወለዶን ቀንዲ ኣፍረይቲ ሓይሊ ሕብረተሰብን ምዃኖም ተፈሊጡ፣ ኣብ ክንዲ ብኽንክንን ሓልዮትን፣ ብሃገራውን ህዝባውን ወኒ፣ ብትምህርትን ፍልጠትን ማሃዝነትን ዝምልመሉን ዝዓብዩን፡ መሰሎምን ሪሞምን ተገፊፎም፡ ኣብ መደበር ወታሃደራዊ ታዓሊም  ብሕሰምን መከራን ይበልዩ፡ ብዛዕባ ህዝቦምን ሃገሮምን መታን ከይሓስቡን፣ ኒሕን ሕልናን ከጥፍኡን   ብስርዓት ህግደፍ ካብዝወርዶም ዘሎ ስቓይን ሕሰምን ከምልጡ  ክብሉ፣ ከይፈተዉ ካብ ዝፈትዉዎም ስድራ ቤቶምን ሃገሮም ክወጹ ዝተገደዱን ገና ኣብ መንገዲ ስደት ምህላዎምን ርእዩ።

 ኣብ ጉዕዞ ስደቶም፡  ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ሊብያን  ከይበጽሑን ምስኣተዉን ብዘጋጥሞም  ብሓፈሻኡ ናይ ሞትን ሂይወትን ኩነት፣  ማሕበራውን ስነ-ኣእምራውን  ሃሰያ፡ በደላት፣ ውርደትን ሕሰምን ወሪድዎም እዩ።  ኣብ ኤውሮጳ ምስ ጸበጽሑ ውን ከምቲ ዝተጸበይዎን ዝባሃግዎን ስለዘይኮነሎም፡ ስደት ከቢድዎም ስለዘይጠዓሞም፣ ብቁጽርስ እቶም ዝመሃሩን ዝሰርሑን ዘለዉ ዉሑዳት ምዃኖም ኣኼባ ርእዩ። ብሰሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኣብ ስደት ነብሰ ቕትለት ዝፍጽሙ ኤርትራውያን መንእሰያት ዉሕዳት ኣይኮኑን። ስነ-ኣእምራዊ ሕማማት ኣሕዲሮም ዝሳቀዩ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ማለት ቀሊል ኮነ ፍኲስ ገበናት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሃገራት ኤውሮጳ ዘለዉ ኤርትራውያን ውን ውሕዳት ዘምዃኖምው ሽማግለ ተመልኪቱ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፣  እቶም ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ቃልሲ ዝግደሱ መንእሰያት ኤርትራውያን ውሑዳት ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ተካእቲ ወለዶታት ንኽኮኑን ክሳብ ሕጂ ዘየብቓዓና ምኽንያታት ወጊድና፡ ኣሰር ጀግንነትን ሃገራውነትን ዝሓለፈ ወለዶ ንምኽታል ሓያል ጻዕርን ምንቅስቓስን ከም ዘድሊ ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ኣጽኒዑ።  

  1. ምጉልባት ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ይሳቐን ይብደልን ምህላዉ ብዘይካ ገለ ውሑዳት እንዳፈለጡ ዘጽቐጡ ሰብ ጠቕሚ፡ ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝውርድ ዘሎ ግፍዒ ብምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ምስዚ ግን ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ጉዳዮም ህዝቦም እንዳጸነተን ሃገሮም እንዳተደፈረትን እንከላ ኣማዕዲካ ምርኣይ ስለዝነውሔ፡ ብማዕሪኡ ወጽዓን ጭቆናን ህዝብና ይናዋሕ ምህላዉ ተገንዚብና ኣንጻር ምልኪ ክንላዓል ይግባኣና፡ እዚውን ዕማም ናይ ውሑዳት ዘይኮነስ ናይ ኩልና ዋኒን ስለዝኮነ፡ ህዝቢ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ክዓስልን ተጊሁ ክቓለስን በርቲዕካ ምስራሕ ከምዘድሊውን ኣኼባ ተገንዚቡ፡ ንምዕዋቱ ዝካኣል ዘበለ ክፍጽም ድልዊ ምህላዉ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
  1. ተሳትፎ ማሕበራዊ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ፡ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ተሳትፎ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታትን ደርባዊ ጽላታትን ህዝብና ምዕዋቱ ዝሳሓት ኣይኮነን። ሎሚውን ከምቀደም ተሳትፍፎ ናይ ኩሎም ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ብፍላይ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ክዓዝዝ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ውዳቤታት ዝግባእ ቦታ ክሕዝ ከምዘድሊ ብዝርዝርን ግዜ ሂቡን ድሕሪ ምዝርራብ ንኣኼባ ዝተታሕዘ ነጥብታት ተደምዲሙ።

ኣኼባ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንዝተዓወቱ ዕማማትን ንዘዐወትዎም ኣባላት ሽማግለን ኣፍልጦ ብማሃብ፡ ንዘጋጠሙ ናይ ቃልሲ ዕንቅፋታትን ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም መሊኦም ዘይተሳለጡ ትልሚ ስራሓትን ድሕሪ ምምማይ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣካያዲ ሽማግለ ዞባ ብሓላፍነት ንዝተዋህቦ መደብ ስራሕን ንዝተመዘዘሉ ክፍልን  ብተናጸል ኮነ ብሓባር ንምዕዋት ክሰርሕ ናይ መጻኢ ትልሚ ዕማማት ብምስራዕ ደምዲሙ። ብዘይካዚ ነዚ ኣካላዊ ርክባትን ኣኼባታት ከይግበር ከሊኡ ዘሎ ምኽንያታት ንምስዓር፡ ኣሎ ዝባሃል ዘመናውን ስሉጥን ናይ ርክብ መስኖታት ክጥቀምውን ወሲኑ።

Last modified on Monday, 06 July 2020 23:20