Print this page

ኣመንቲ ካብ መስጊድ ተወሲዶም፡ እሱራት ከኣ ተሰዊሮም

2020-06-29 05:29:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2275 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ከተማ ከረን ብ26 ሰነ 2020፡ ሸውዓተ ሰባት ብኣባላት ጸጥታ ህግዲፍ ኣብ ሳላት ኣልዓ እንከለዉ ካብ መስጊድ ምስተወሰዱ ድሕሪኡ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን። ካብዞም ካብቲ መስጊድ ዝተወስዱ ገሊኦም ዝጽልዩ ዝነበሩ ዓበይቲ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ከኣ  ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝቐርኡ ዝነበሩ መንእሰያት ምዃኖም ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓቢሮም። እቶም ኣባላት ጸጥታ ስጉምቶም ምኽኑይ ንምግባርን ነቶም ግዳያት ብህዝቢ ከጽልእዎምን ካብዝማሃዝዎ ምኽንያታት “ሰዓብቲ ጀሃድን ደገፍቲ ተቓወምትን እዮም” ከም ዝበልዎም እውን  ምንጭታትና ብተወሳኺ ገሊጾም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብ25 ሰነ 2020 ኣብ ደንጐሎ ታሕታይ ንነዊሕ ግዜ ተኣሲሮም ካብ ዘለዉ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መራሕቲ ብሪገዳት ዝነበሩ፡ 2ተ ኣስማቶም ዝዓቀብናዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ምህላዎም ዝበጻሓና ዜና ኣፍሊጡ። ምንጭታት ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደኦ፡ እቲ ሓደ ግዳይ ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ5ይ ወራር እናተባህለ ዝግለጽ ዝተኣስረ እዩ። እቲ ካለኣዩ ከኣ ኣብ ከባቢ 2003ን 2004ን ኣብ ከረን ካብ ዝነበረ ሓይሊ ምድሪ ተወሲዱ ዝተኣስረ እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ  ኣቑርደት ኣብቲ ናብታ ከተማ ዘእቱን ዘውጽእን ብሎኮታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝተፈላለዩ ምክልባታትን ማህርምትን ከም ዝፍጸም እዞም ምንጭታት ጠቒሶም። እቲ መውቃዕቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ሓደ ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ ከም ዝፍጸምን ካብቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ሓደ ናይቲ መውቃዕቲ ግዳይ ዝኾኑ ባእታታት ስድራቤት  እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ  ብተወሳኺ ጠቒሱ።

Last modified on Monday, 29 June 2020 07:36