Print this page

ትእዛዝ ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ተነጺጉ

2020-06-20 14:54:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 9646 times
Rate this item
(0 votes)

ኣርባዕተ ናይ ኮለነል መዓርግ ዘለዎም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዘይድሌቶም ከም ዝተጣየሱን ካብኣቶም እቶም ክልተ ኣብ ዓሰብ ካብ ዘሎ ሰራዊት ምዃኖምን ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ኣብ ዓሰብ ዘሎ ሰራዊት በዘይካ ፖሊስ ኩሉ ኪሎ 37 ኣብ ዝተባህለ ቦታ ክእከብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራዊ መደበራትን ክዕጾ እውን ተኣዚዚ። እንተኾነ ኣዘዝቲ ናይቲ ሰራዊ ነቲ  ሓለፍቲ ህግዲፍ ዝተዋህበ ትእዛዝ ከም ዝነጸግዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ቤት ጽሕፈት ኤሚግረሽን ኤርትራ፡ ናብ ኩሉ ኣካላቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ዘዋሪ መልእኽቲ ኩሎም ብስም ሕክምና፡ ንግድን ካልእ ተመሳሳሊ ምኽንያታትን ናብ ሱዳን ዝመላለሱ ፈቓድ ከይወሃቦም ዝብል ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ዝተፈላለያ ትካላትን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበር ኣብቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ከም ዝሰፈረ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናብ ኩለን ብሎኮታት ኤርትራ፡ ንካብን ናብን ምንቅስቓስ ህዝቢ ብዝምልከት መምርሒ ተመሓላሊፉ ። በቲ መምርሒ መሰረት ሓደ መራሕ መኪና ኣብቲ ዝብገሰሉ ቦታ ምስ ጸዓነ ኣብቲ መወዳእታ ጉዕዘኡ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኣብ መንጎ ክሳፍር ወይ ከውርድ ኣይክእልን እዩ። እተን ህዝቢ ዘጓዕዛ መካይን ብኣፍልጦ ሃገራዊ ድሕነት ዝቐርባ ኮይነን፡ ኩሉቲ መስርሕ ምጉዕዓዝን ኣብቲ መስርሕ ዝሳተፉ ኣካላትን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ይኾኑ። ነዚ መምርሒ ዝጠሓሰ መራሒ መኪና ከኣ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ ድሕነት ተሓታቲ  ክኸውን ከም ዝተወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Last modified on Saturday, 20 June 2020 17:04