Print this page

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ስረሓቱ ገምጊሙ፡ መጻኢ መደባቱ ተሊሙ

2020-01-05 09:45:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2980 times
Rate this item
(0 votes)

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ4 ጥሪ 2020፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩምን መእተዊን ቃልን ኣስሚዑ፡ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳ  ኣቕሪቡ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣባላቱ ብምልኣት ዝተሳተፍሉ ኣኼባኡ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ናይ 4ተ ኣዋርሕ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ። ኣብ ምምዛን ካብ ጸብጻባት ዘይበርሀ ንዝነበረ ኣብሪሁ፡ ሕቶታት መሊሱ ኣብ ኣድለይቲ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ ውሳነታት ብምውሳን ነቲ ጸብጻባት ከም ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ። ኣብቲ ገምጋሙ ብመሰረቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ትልሚ ጽቡቕ ኣሳልጦ ከምዝተኻየደ መዚኑ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዝስረሓሉ ኣቕጣጫታት ድማ ኣመላኺቱ።

ብዘይካዚ ኣኼባ፡ ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ብሓፈሻ ብኹሎም መሻርኽቲ ኣካላት ብፍላይ ከኣ ብሰዲህኤ ይግበር ንዘሎ ጻዕሪ ምስቲ ማዕባሊ ዘሎ ምንቅስቓስ ይኣክል ብምስናይ ፍሉይ ግምት ሂቡ ተመያይጥሉ። ኣብ ምይይጡ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ክዛተያ ናይ ዝመዘዘን ሽማግለታት ሰዲህኤ ስረሓት ብደቂቕ መዚኑ ኣወንታዊ ተስፋ ዘለው ደረጃ ከም ዘለዋ ተገንዚቡ፡ ኣብ መጻኢ ክኽተለኦ ዝግበኣን ዝብሎ ኣገባብ ከኣ ኣነጺሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ነቲ ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ምስዚ ኣብ ሃገርናን ከባብናን ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ናይ ምስናዩ  ዕማም ንክስራሕ ወሲኑ፡ ነዚ እተተግብር ኣካል ከኣ መዚዙ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣብ ሃገርናን ናይ ቀረባን ርሑቕን ከባቢናን ይረኣዩ ብዛዕባ ዘለዉ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ የርእዮ ንዘሎ ዘልሓጥሓጥን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን፡ ከምኡ እውን ህዝብና ዘይፈልጦ ዘይግሉጽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ግዜ ወሲዱ መዚኑ። ሰዲህኤ ኣብዚ ዛዕባዚ ክሕዞ ዝግበኦ ሉኡላውነት ሃገር ናይ ምድሓን ማእዝን ርእዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ኣንጻርቲ ከቢድ መስዋእትን ነዊሕ ግዜን ዝኸፈለሉ ሉኣላውነቱ ምምላሱ ኣብ ዘጸግም ሓደጋ ንኸይወድቕ ከሎ ጋና ብትኹረት ንክከታተሎን ክቃለሶን ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ 2ይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ብዛዕባ፡ ወፍሪ ጐስጓስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ መጻኢ ፈስቲቫል 2020፡ ብጠቕላላ መጻኢ መደባት ኣካላት ሰዲህኤ ብዝምልከት ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ፡ መጽናዕቲ ንዘድልዮም ጉዳያት ከኣ ኣካላት መዚዙ። እዚ ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፍን ደገፍትን  ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ኩለ-መዳያዊ ተወፋይነት ኣመጒሱ፡ በቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ናህሪ ንክቕጽሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውድባትን ማሕበራትን እውን ኩነታት ሃገርና ኣብ ከመይ ኣሻቓሊ ደረጃ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ናትና ኢሎም ናይ ምድሓና ሓላፍነት ንክወስድ ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Sunday, 05 January 2020 10:50