Print this page

ስርዓት ኤርትራ ብቤተ-ክርስትያናት ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መዲቡ ምህላዉ ተፈሊጡ።

2019-09-03 07:20:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3191 times
Rate this item
(0 votes)

ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ንኹለን ኣብ ትሕቲ ቤት-ክርስትያናት፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ክመሓደራ ዝጸንሓ ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መደብ ከምዘለዎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ከም ግምት ናይቶም ምንጭታት እቲ ምውራስ ካብ 3 መስከረም 2019 ክጅመር እዩ።

ቁጽሪ ናይዘን ንራስያ ተቓሊዐን ዘለዋ ብቤተ-ክርስትያናት ኤርትራ ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብንጹ’ኳ ዘይፍለጥ እንተኾነ፡ ሓደ ተመሳሳሊ ምንጪ ግና፡ 3 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ማእከልን ደቡብን ዝርከባ ናይ ካቶሊካዊት ቤት-ክርስትያን ወሲኽካ፡ ሸውዓተ ከም ዝበጽሓ ሓቢሩ። እቲ ምንጪ ብእስላማዊ ትካል ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ምርሳይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝበሎ የለን።

ካልእ ተመሳሳሊ ምንጪ ከም ዝገለጾ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብ2020፡ ናይ መውዓሊ ህጻናት፡ ቀዳማይ ደረጃን ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝካየድ ግምቱ ገሊጹ።

Last modified on Tuesday, 03 September 2019 09:25