Print this page

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2019-03-18 08:49:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2430 times
Rate this item
(0 votes)

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ16 መጋቢት 2019 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣቕረበ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሓድነት፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝምልከት ነይሩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ነቲ ኩነታት ክከታተል ብዝጸንሐ ኣካል ሰዲህኤ ሰፊሕ መብርሂ ሰሚዑ። በቲ ዝቐረበ መብርሂ መሰረት  ዳርጋ ኩሉ ኣቐዲሙ ክውዳእ ዝግበኦ ስረሓት ከም ዝተኸምተአን እቲ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተመዘዘ ኣካል ብዝተኣማምን ምውህሃድን ስምምዕን ይቕጽል ከም ዘሎን ገሉጹ። ባይቶ ኣብቲ ዝቐረበ መብርሂ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ እቲ መስርሕ በቲ ዘለዎ ናህሪ ክቕጽል ዝሕግዙ ሃነጽትን ሓገዝትን ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ብዘይካዚ መጻኢ፣ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ክልቲኡ ውድባት ዘዳሉ ዘሎ ሓባራዊ ኣሰናዳኢ  ሽማግለ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምክትውን መብርሂ ቀሪቡ። ብመሰረት መብርሂ ኣደ-መንበር ሓባራዊት  ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ስረሓት ሰልስተ ንኡሳን ሽማግለታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝርዝር ቀሪቡ።  ብመሰረ ት እቲ ዝቐረበቶ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ንዝያዳ ዘተ ናብ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ብመንገዲ ኣቦ-መንበራት ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት መጻኢ ጉባኤ ንምዕዋት ኣባላት ዘሕብን ወፈያታት የካይዱ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ብዘካይዚ ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣካላት ንምንጻር ቅዋማዊ ዳህሳስ ኣብ ምጥንቓቕ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ነዚ መብርሂ ዝተኸታተለ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ንዘቕረቦም ኣገደስቲ  ሕቶታትውን፣ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ በሪህሉ። ድሕሪዚ ባይቶ እቲ መስርሕ ምድላው ጽፉፍን ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዙ ሓሳባት ኣቕሪቡ ኣብ ምዕዋቱ ካብኡ ዝድለ ንኸበርክት  ድልውነቱ ኣረጋጊጹ። መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ እዚ ተወፋይነት ንክቕጽል ከኣ ጸዊዑ።

ኣብዚ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ምቅርራብን ሓቢርካ   ምስራሕን መስርሕ ዘለዎ ደረጃ ዝዳህሰሰ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ። በቲ ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ሒዘምዎ ብዘለዉ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ተታሒዙ ዘሎ ውጥን ግዜ ብዘይምብኻን ተቐላጢፉ ንክቕጽል ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እውን  ሓባራዊ ጽላል ንምምስራት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተታሒዙ ዘሎ መደባት ብዓንተቦ ክትግበር ማእከላይ ባይቶ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ማእክለይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህልዊ ኩነታት  ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከቱ ሓበሬታትት ዳህሲሱ። በዚ ዳህሳስ መሰረት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ኣንጸላልይዎም ዘለዉ ሓደጋ ንምድሓን ኤርትራውያን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ከም ዘለና  ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ ኣመዝጊቡ።

Last modified on Monday, 18 March 2019 09:52