Print this page

“ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፈአ ይመስል”

2018-12-08 10:50:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2844 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር” (የማነ ባርያ)፡ “ንግዜኡ’ኳ እንተሓየለኒ እስዕሮ’ምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ” (ኣብርሃም ኣፈወርቂ)

ልዕሊ ሓይሊ ህዝቢ ዝስራዕ ሓያል የለን። እዚ ህዝባዊ ሓያልነት ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽና ብህዝቢ ኤርትራ ተረጋጊጹ እዩ። ናይ ህዝቢ ሓያልነት ብሓደ ውሱን ጽላት ዝግለጽ ዘይኮነ ብብዙሕ መዳያት ዝግለጽ እዩ። ናይቲ ዝተፈላለየ ኣስማት ዝወሃቦ ቀያሪ ዓቕምታት መሰረት ከኣ ናይ ህዝቢ ሓያልነት እዩ። ህዝቢ ሓያል ጥራይ ዘይኮነ ኣማኒ እውን እዩ። ክንዳይ ኮይኑ ድምጸይ የስመዓለይን ንመሰለይ ይሕለቐለይን እዩ ኢሉ እምነት ንዘንበረሉ ኣካል ይድግፎን የተባብዖን። ነዚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንኤርትራ ናብዚ ሕጂ ዘላቶ ክብሪ ዘብጸሐ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ህዝቢ እምነት ብዘንበረሉ ክጥለም እውን ተራእዩ እዩ። ንጉጅለ ህግደፍ ወሲኽካ፡ ትማሊ ዝነበሩ ኮኑ ሎሚ ዘለዉ ገዛእቲ ኣብቲ ምጅማሮም ናይ ህዝቢ መሲሎም እዮም ዝቐርቡ። እዚ ፈተነዚ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ እዩ። ሕጂ ብጉጅለ ህግደፍ ዝደሃኾ ዘሎ ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ።

መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ተወጊዱ፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ህግደፍ፡ መጻኢ ኣቕጣጫኡ ጽቡቕ ከምዘይነበረ ካብ ቅድም ምልክታት ነይሩ እዩ። “ድሕሪ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ዝብል በሓቲ ፈኸራ ንዘቕለበሉ፡ ሓደራ ህዝብን ስዉኣቱን ናይ ምጥላም መቐይሮ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ፍጹም ገዛእነት ዝማዕበሉ ህዝቢ ናይ ምጥላምን ኣገዲድካ ምድሃኽን ደረጃ ዝዓረጉ ካለኦት ምልክታት እውን ነይረምዎ እዮም። ምናልባት ህግደፍ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እሾኽ መርገም ክዘርእ እንከሎ፡ ህዝቢ ዘይከታተሎ ከም ዝነበረ ይመስሎ ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብክቡር መስዋእቲ ደቁ ዝመጸ ዓወት ኣቕጣጫኡ ለዊጡ ኣንጻር ረብሓኡ ምእንቲ ከየቕንዕ፡ ናይ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ “ ኣገባብ እዩ ይኽተል ነይሩ። ንሕማቕ ምስሊ እቲ ጉጅለ ክኸዋውል ክብል፥ “ ባዶ ሳጹን እንድዮም ተረኪቦም፡ ካብ መግዛእቲ ዝተወርሰ ሕማቕ ባህሊ እዩ፡ ካብቲ ዝሓለፍናዮዶ ነዊሑና፡ ንነጻነት ተቓሊስና ንሳ ከኣ ረኺብናያስ ሕጂዶ መሊስና ምስ ደቅና ክንበኣስ” ብዝብሉ ምኽንያታት ዝኽዋውለሎም ኤርትራዊ እውን ውሑድ ኣይነበረን።

ጉጅለ ህግደፍ ግና ነቲ ዝተደጐለ ሓይሊ ህዝቢ ከም ጠቕሊሉ ዝጠፈአ ብምቑጻር፡ ጠላም መንገዲ መሪጹ። ካብቲ “ነመሓይሾ ነገራት ስለ ዘለና ግዜ ሃቡና” ዝብሎ ዝነበረ መኻን መብጸዓ ወጺኡ፡ ናይ “ኣብትበጽሕዎ ብጽሑ” ሜላ ተኸቲሉ። ንኹሉቲ ህዝቢ ኣሚኑ ብሕጋዊ ኣገባብ ክትግብረሉ ዝሃቦ ሕድሪ ብኢደወነኑ ክሕንክሮ ጀሚሩ። ካብ ህዝቢ ይቀላቐል ንዝነበረ ህዝባዊ ዓገብ በሃልነት ከኣ እንተዓዂኹ ኣይገድፈንን እዩ ብዝብል ኣተሓሕዛ ፈራሓት ጨፋሊቕዎ። ህዝቢ ኩነታቱ መዚኑ ደጊም ናተይ ኣይኮንካ ዝብለሉ ሃዋህው ንከይፈጥር ከኣ ግዜ ዘይህብ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ቀጺልዎ። እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓሰቦ ዘይኮነ፡ ከምቲ “ዝተደጐለ ሓዊ ዝጠፈአ ይመስል” ዝበሃል ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ፈኸም ምባል ኣየቋረጸን። ዋላኳ ከምቲ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ከምቲ ዝበሃግናዮ መዓስ ኮይኑ፡ ከምቲ ዝኾነልና እምበር” ዝበሎ፡ እቲ ዝድለ ዓወት ኣብቲ ዝተጠልቦ ግዜ እንተዘይኣመዝገበ፡ ኣብ ርእሲቲ ብግሉጽን ውዱብን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ናይ ተቓውሞ ቃልሲ፥ ካብ ምንቅስቓስ ናይ ናጻነት ውጉእት ማይሓባር ጀሚርካ፡ ክሳብ ድርሰት ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መደበር ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ቀንዲ መርኣያኡ ናይ ህዝቢ ሓያልነት እዩ። ኣብ መወዳእታ እዚ ህዝባዊ ሓያልነት ከም ዝዕወት ከኣ ዘማትእ ኣይኮነን። ወጽዓ ህግደፍ ዕድመኡ ነዊሑ በዚ ዘለዎ ኩነታት ምቕጻሉ ዝገድፎ ኣሰር ግና ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ሓደጋታት ንምንካይ እቲ ዘይተርፍ ዓወት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከም ዝቕልጥፍ ምግባሩ ኣዝዩ ተደላዪ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዝተደጐለ ሓይሊ ህዝቢ ከም ዝጠፈአ እምበር፡ ጽባሕ ናብ ጐሃርሃር ዝብል መጋርያ ክልወጥ ምዃኑ ክርዳእ ባህርያቱ ስለ ዘይፈቕደሉ፡ ነቲ “ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ስለ ዘይግደድ ኣንጻር ህግደፍ ኣይክቃለስን እዩ፡ መንእሰይና ነብሱ ስለ ዝፈቱ ቀዳምነቱ ስደት እዩ፡ ህዝብና ቁሩብ ትንፋስ እንተሂብካዮ ሰፊሕ መሰል ኣየድልዮን እዩ፡ ኤርትራዊ ብጸገምን መከራን ዝገረረ ስለ ዝኾነ ምስ ጸገም ተለማሚድካ ናይ ምኻድ ተመኮሮ ኣለዎ፡ “””” ወዘተ” ዝብሉ ንህግደፍ ዘሻህርቱን ንፍናን ህዝብና ዝደቑሱን ኣበሃህላታት ይስምዑ እዮም። ናብቲ ሓቂ ንምምጻእ እንተኾይኑ ግና ምናልባት ከምቲ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝበሃል፡ ውሱን ለውጢ ምዝንጋዕ ኣየምጽእን ማለት ኣይኮነን። ብመሰረቱ ግና ህዝቢ ኤርትራ ዘይተቖርመመን ዘይተሸርመመን፡ ሰላሙ፡ ዲሞክራስኡ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላቱ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ልኡላውነቱ ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክሳብ ዘውሕስ ዓይኑ ሰለም የብልን ቃልሱ የቋርጽን ማለት ዘበት እዩ።

ናይ ህዝቢ ሓያልነት ግብራዊ ሓያልነት ዝኸውን ብድብድቡ ተሰሪሑ ዝተዋህበ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። ህዝቢ ሓያል ዝኸውን ብዛዕባ መሰሉ ዝነቐሐን ምእንታኡ ዝሓትትን ቃልሱ ክሳብ ዓወት ዝቕጽልን ክኸውን እንከሎ እዩ። ነዚ ሓያልነቱ ዘተግብረሉ ውደባዊ መሳርሒ ከኣ የድልዮ። ህዝቢ ናይ ብዙሓት እኩብ ድምር እዩ። እዚ ህዝቢ ዝብል መዓር ዝወሃቦ ውሁድ ኣካል፡ ሓያልነት ክውንን ከኣ ሓድነቱ ዘተኣማምን ክኸውን ይግበኦ። እዞም ረቛሕታት ኣብ ዘይተማልእሉ ግና እቲ “ንሓይሊ ህዝቢ ዝስዕሮ የለን’ ዝብል ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ’ሞ ንወሳንነት ሓድነትና ብጽሞና ንሕሰበሉ።

Last modified on Saturday, 08 December 2018 12:02