ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2018 ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ደለይቲ ፍትሒ ጸዊዑ

2018-08-09 07:44:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3946 times

በቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ ንመጻኢ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸልው ዘሰንብድ ዝምድና ዝተሻቐሉ ናይ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ መራሕቲ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2018 ብ4 ነሃሰ 2018 ኣብ ዘስምዕዎ መደረታን ዘካየድዎ ምይይጥን ዝሓደሮም ሻቕሎትን ስንባደን ኣቃሊሖም።

እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣተሓሒዞም ነቲ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ተረዲኦም፡ ኣብ ቀጻሊ ዘተኣማምን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፈጢርካ እቲ ውልቃዊ ዲክታቶር ኣብ ኤርትራ ዝያዳ ጉድኣት ከየውረደ ንምዕጋቱ ክስራሕ ከም ዝግበኦ ኣንጸባሪቖም። እቶም ሓደ ድሕሪ ሓደ መደረ ዘስምዑ መራሕትን ወከልትን ውድባት ኤርትራ ነቲ “ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ከነስምዕ” ዝብል ናይቲ ፈስቲቫል መሪሕ ጭረሖ ናይ ምትግባሩ ኣገዳስነት ኣጉሊሖም።

ኣብቲ ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራን ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ዝተመርሐ ኣገዳሲ መኣዲ ዘተ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ኣሰናዳኢት ኮሚተ፡ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ናይ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤን ኣቦመንበር ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ደድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቶ ተስፋማርያም ክብረኣብ ከኣ ትምህርታዊ መግለጺ ብዶ/ር ክላውስ-ዲየተር ግሮዘ ካብ ሓምላይ ሰልፊ ጀርመን ቀሪቡ።

ድሕሪዚ እቶም መራሕቲ ኣኼባ ንመራሕቲ’ቲ መኣዲ ዘተ ብትግርኛን ዓረብን ዓዲሞም። እቶም ነናይ ውድቦም ርኢቶ ከቕርቡ ናብ መድረኽ ዝተዓደሙ፡ ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ርኢቶኡ ብዓረብ ብሓጺሩ ምስ ኣቕረበ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ውድብ ቃል ከኣ ብኣቶ በርሀ ዑቕባዝጊ ብትግርኛ ተነቢቡ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣንበሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርስ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ቃል ካብ ዘስምዑ ነይሮም። ብዘይካዚ መንሱር ዓብደልሃዲ ካብ ግንባር ሃግራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣቶ ሳልሕ ሰባሕ ኣቦመንበር ኤርትራዊ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቕስ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣፈወርቂ ካብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ ኤርትራ፡ ኣቶ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ኣቦመንበር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ መንእሰይ ሮበል ሃይለ ካብ ሕብረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ ካብ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ገርግስ ነጋሽ ካብ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ሰዲህኤ፡ ኣቶ ባህታ ሃይለማርያም ካብ ግንባር ዲሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራ፡ ኣቶ ጀማል እስማዒል ካብ ሊግ ኤርትራዊ መታሕት፡ ኣቶ ክብረኣብ ምስግና ካብ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ኣቶ ገብረሂወት ክፍለ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዲሞክራስያዊ ለውጥን እውን ኣብቲ ፈስቲቫል ቃል ዘስምዑ ተሳተፍቲ ነይሮም።

Festival2018 3

Festival2018 4

ኣብ መወዳእታ ብፍሉይ እቶም ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባት ተራኺቦም ተላዚቦም። ከም ውጽኢት ልዝቦም ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብሓፈሻ ተረዳዲኦም።

  • በቶም ተወከልቲ ዝቐረበ ሓሳባት ተመሳሳልን መሰረታውን ምዃኑ
  • ኣብዚ ፈስቲቫል ዝተሳተፉ ውድባት ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይቅቡል ኣተሓሕዛ ዝምድና ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዝኾነ ውክልና ዘየብሉ ጨቛኒ ኤርትራዊ ጉጅለን ሻቕሎቶም ዕዙዝ ምዃኑ።
  • ስለዚ እተን ውድባት ህጹጽነት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተበግሶታት ሓባራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝያዳ ኣድላይነት ኣብ ሕድሕድካ ምልዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ።

Festival2018 5

ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዕለተ ቀዳም 4 ነሃሰ 2018 ድሕሪ ቀትሪ ተሳተፍቲ ብዛዕባ መዋጸኦ ካብዚ ሕጂ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ንልኡላውነታ ዘስግእን ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ዕድመኡ ክሃርፎ ዝጸንሐ ሰላማውን ልኡላውነት ሃገሩን ክበርሃሎም ናብቶም ኣብ መድረኽ ዝነበሩ ሓቲቶም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣቐዲሙ ኣብ ዕለተ ዓርቢ፡ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤን ሰሚናር ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምሕዳስ ሰልፍን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ተኻይዶም። ምስቲ ዘይተለምደ ሓያል ሙቖት እቲ ብነባራትን መንእሰያትን ኤርትራውያን ዝቐረበ ባህላዊ ፕሮግራም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ምሉእ ለይቲ ተኻይዱ።

Last modified on Thursday, 09 August 2018 11:32